ሓደ መዓልቲ፡ ኣቶ ካሕሳይ ዝተባህሉ ኳዕናን ሰብኣይ ናይ መገሻ መደብ ስለ ዝነበሮም፡ ናብ መዓርፎ ነፈርቲ ዘብጽሖም ታክሲ ጸዊዖም ክሳብ ዝመጾም ይጽበዩ ነበሩ። ታክሲስታ ኣብ ውሽጢ ሒደት ደቓይቕ ናብ ኣቶ ካሕሳይ በጽሐ። ኣቶ ካሕሳይ ናብታ ብጽሬታ ዝተደነቑላ ታክሲ ቅድሚ ምእታዎም፡ “ደርሆማይ ዋላ ንስሪ፡ ንስኻ ወስን!” ዝብል ጽሑፍ ኣንበቡላ። በቲ ሓደ እቲ ጽሑፍ፡ በቲ ሓደ ኸኣ ካብቲ ጽሬታ ዝተላዕለ እታ ታክሲ ተንጸባርቕ ስለ ዝነበረትን፡ ካራባታ ዝተኣስሮ ጽቡቕ ለማጽ ካምቻ ምስ ብግቡእ ዝተዓጥቀ ረቂቕ ስረ ዝለበሰ ታክሲስታ ስለ ዝመጾም ኣዝዮም ተሓጎሱን ተገረሙን።
ብድሕሪኡ እቲ ጎበዝ መራሕ መኪና፡ ወሪዱ ንቦርሳታቶም ናብታ ታክሲ ሰቒሉ፡ ንኣቶ ካሕሳይ ድማ ማዕጾ ከፊቱ ንኽኣትዉ ብኢዱ እናመልከተ፡ ‘ዮሃንስ ይበሃል፡ ንሎሚ ኣውቲስታኣኩም እየ፡’ ብምባል ምቕሉልነቱን ጽፈት ኣገልግሎቱን ኣርኣዮም። ክልቲኦም ኣብ ውሽጢ መኪና ምስ ኣተዉ ኸኣ፡ ሓንቲ ቢዝነስ ካርድ ሃቦም። ከምዚ ዝብል ጽሑፍ ከኣ ነበራ፡ “ዮሃንስ ይበሃል፡ መራሕ መኪና’የ። ዕላማይ ከኣ ንዓማዊለይ ብርትዓውን ቅልጡፍን ውሑስን ኣገባብ ምቹእ ሃዋሁ ብምፍጣር ናብ ዝደልኹሞ ምብጻሕ እዩ!” ኣቶ ካሕሳይ እዚ ምስ ኣንበቡ፡ ነቲ ውሽጣዊ ጽፈትን ጽሬትን ናይታ መኪና እናረኣዩ ምግራሞም ቀጸሉ።
ዕላል ክጅምሩ ክመስሉ፡ ዮሃንስ፡ “ፍቓደኛ እንተ ዀንኩም ቡን ክብለኩም፧” ኢሉ ሓተቶም። ጸወታ ምዃኑ ዝተረደኦም ኣቶ ካሕሳይ፡ “ኖኖእ ኣነስ’ባ ጽሟቕ ምደለኹ፡” ፍሽኽ እናበሉ መለሱሉ። ንሱ ኸኣ ትቕብል ኣቢሉ፡ “ኦው ጸገም የብሉን፡ ብሽኮር ዋላ ብዘይሽኮር ኢኹም ትደልዩ፧ ሕፍስ ዝበለ ቅጥን ዝበለ፡ ከመይ ይሕሸኩም፧” ብምባል፡ እናሰሓቐ፡ ናይ ፍርቂ ሊትሮ ዕሹግ ማይ ኣቐበሎም። “ክሳብ ኣብ ቦታና ንበጽሕ፡ መዘናግዒ እንተ ኾነኩም፡ ኣብቲ ድሕሪት ናይ ሎሚ ጋዜጣን መጽሄታትን ኣለኩም፡” ኢልዎም መኪና ኣተሲኡ ተበገሰ። ዮሃንስ እቲ ዘቕረበሎም ኩሉ ስለ ዘይኣኸሎ፡ “ሬድዮዶ ክውልዓልኩም፧ ዜና ስፖርት፡ ሙዚቃ ወይ ካልእ ትደልዩዎ እንተ ልዩኩም ክገብረልኩም፡” በሎም። በዚውን ወዲኡ ኣይዓረፈን። “ምናልባት ፍኒስትራ ተኸፊቱ ስለ ዘሎ ንፋስ እንተ በርቲዕኩም ንገሩኒ፡ ጸቕጢ ሃሩር እንተ ዀይኑኩምውን ንገሩኒ ኣየር ኮንዲሽነር ክውልዓልኩም ይኽእል’የ፡” በሎም’ሞ፡ ኣብ ምውወዳእታ፡ “ዘረባ ደኣ ኣብዚሐልኩም እምበር፡ ዕላል እንተ ዘይደሊኹም ከኣ ስቕ ኢልና ክንከይድ ንኽእል ኢና፡” በሎም።
ኣቶ ካሕሳይ፡ ነቲ ብሩህ ገጹ እናረኣዩ፡ ስቕ ኢሎም ብምግራም ክሰምዕዎ ጸኒሖም፡ “ዓማዊልካ ኩሉ ግዜ ከምዚ ጌርካ ዲኻ ተገልግሎም፧” ኢሎም ሓተትዎ። “ኣይኮንኩን፡ ኩሉ ግዜ ኣይኮነን።” መለሰሎም። “ኣብ ዝሓለፋ ክልተ ዓመት እየ እዚ ኹሉ ባህሪ ኣጥርየዮ፡ እተን ኣቐዲመን ዝነበራ ዓመታት ስርሐይ፡ እናማረርኩን፡ እናተጨቓጨቕኩን፡ ብዝረኸብክዎ ከየመስገንኩን፡ ሓንቲ መዓልቲውን ትኹን ከይተሓጎስኩ እየ ኣሕሊፈየን። ሓደ መዓልቲ ግን ሓደ ክኢላ ሰብኣዊ ምዕባለ ዝኾነ ዶክተር፡ ‘ባህሪኻን ኣብ ህይወት ኣረኣእያኻን እዩ ፍሉይነትካ፡ ንግሆ ምድሪ ተስፋ ዘይብሉ፡ መማረሪ ኰንካ እናማረርካ እንተ ተንሲእካ፡ ከም ደርሆማይ ሙሉእ መዓልቲ ንርእስኻ ተረቢሽካ ንኹሉ ምሳኻ ዝራኸብ ሰላሙ ዘሪግካሉ ኢኻ ትውዕል። ከም ንስሪ ብተስፋን ብሙሉእ ሓይልኻን ብሓጎስን እንተ ተሲእካ ኸኣ ኩሉ ከምኡ እዩ ዝኾነልካ፡’ ክብል ምስ ሰማዕክዎ ኣተሓሳስባይ ቀይረ፡ ንስሪ ምዃን መሪጸ። ከምዛ ትርእዩኒ ኸኣ ንኹሉ ሰብ ብዓቕመይ፡ ብፍሕሹው ኣቀራርባን ብሓጎስን ከገልግሎ ዝከኣለኒ ይገብር ኣለኹ፡” በሎም።
እዚ ኹሉ እናዕለሉ ናብቲ ዝደለዩዎ መዓርፎ ነፈርቲ በጽሑ እሞ፡ “ኣቶ ካሕሳይ ሎሚ ብዕላማ ዝተራኸብና ኰይኑ እዩ ዝስምዓኒ ዘሎ። ምኽንያቱ ኣብ መስመር ደወል ተረኺበ ኣይፈልጥን’የ። ዝበዝሐ ስርሐይ ናይ ዓማዊል እዩ፡ ብሲስተም ካብ ዘይሰርሕ ድሮ ናብ ካልኣይ ዓመተይ ተጸጋጊዑ ኣሎ። ዝበዝሐ ግዜ ብሲስተም ስራሕ ክኣትወለይ ከሎ፡ ናብ ሓደ ዝኣምነሉ ዓርከይ እየ ዘሕልፎም። ንሱ ኸኣ ከምዛ ከማይ ኰይኑ ናይ ንስሪ ኣገልግሎት የገልግሎም።” ኢሉ ናይ መፋነዊ ዕላል ኣዕለሎም።
ዮሃንስ ንኣቶ ካሕሳይ ጽቡቕ ምንዮቱን ሰላም መንገዲ ክኾነሎምን መሪቑ ኣፋነዎም። ኣቶ ካሕሳይ ኣሜን ኢሎም እቲ ዝበሎም ኩሉ እናሳላሰሉ ናይ ነፋሪት መገዶም ጀመሩ። ደርሆማይ መጉረምረሚትን ብዝጠቅምን ዘይጠቅምን ምኒን ክትብል እያ ትውዕል። ንስሪ ግን ክሳብ ልዕሊ ደበናታት ወጺኡ ክበርር እምበር ድምጺ ክገብር ኣይስማዕን’ዩ፡’ ዝብል ሓሳብ ተመላለሶም። እቲ ከጉረምርሙን ከማርሩን ዘሕለፍዎ ግዜ እናዘከሩ ክጠዓሱን ሓድሽ ናይ ንስሪ ህይወት ክነብሩ ወሰኑ።
ኣቶ ካሕሳይ ናብቲ ዝደለዩዎ ዓዲ ምስ በጽሑ፡ ካልእ ብዓል ታክሲ ተቐበሎም፡ እታ መኪንኡ እንተ ረኣዩዋ ብረስሓት መርኣዪ ዘይብላ፡ እቲ መራሒ መኪና ኸኣ ዝገደደ፡ ኣይኮነንዶ መኪና ከእትዎም፡ ሳንጥኦም ከይተረፈ ባዕሎም ናብ መኪና ክሰቕልዎ እዩ ሓቢሩዎም። ኣብ ውሽጢ ታክሲ ምስ ኣተዉ፡ ካብኣ ክሳብ ናብ ሆቴሎም ዝበጽሑ ኩላ ዘረብኡ መረረን ሕሜትን ምጉርምራምን ጥራይ እዩ ዝነበረ። ኣቶ ካሕሳይ ካብ ሽዕኣ መዓልቲ ጀሚሮም ንዝረኸብዎ ዘበሉ እቲ ናይ ዮሃንስ ሓሳብን ኣሰራርሓን እናካፈሉ ህይወት ብዙሓት ክልውጡ ወሰኑ። ንሶምውን ኣብ ስርሖምን ሰራሕተኛታቶምን ዓማዊሎምን ከምኡ ክገብሩ ምስ ባዕሎም ቃል ኣትዮም ሰርሑሉ። ኣብ መጀመርታ ንስሪ ዀይኖም ክሰርሑ ዝጀመሩሉ ዓመት ካብ ስርሖም ዝረኸብዎ ኣታዊ ዕጽፊ ናይታ ቅድሚኣ ዝነበረት ዓመት ኰነሎም። ኣብታ ዝቐጸለት ዓመት ከኣ ኣታዊኦም ኣርባዕተ ዕጽፊ ኰነሎም።
ኣቶ ካሕሳይ ሓደ መዓልቲ፡ ሰራሕተኛታቶም ኣኪቦም፡ ብዛዕባ ዘጋጠሞም ኩሉ ኣዕሊሎም፡ ዮሃንስ እቲ ታክሲስታ፡ ብኹለንትንኡ ፍሉይ ሰብ ከም ዝኾነ መስኪሮም፡ ኣብ ሓንቲ ተራ ታክሲ ናይ ሊሙዚን ኣገልግሎት ከም ዝቐረበሎም መስከሩሉ። “ዮሃንስ ኩሉ ኣሉታዊ ዝበሃል ኣተሓሳስባን ቃላትን ሓዲጉ እዩ ናብቲ ልዕሊ ኩለን ኣዕዋፍ ዝበርር ንስሪ ጠሚቱ ክበርር ጀሚሩ ዘሎ። ንስኻትኩም ከኣ ኣብ ከቢድ ኩነታት መነባብሮ፡ ከቢድ ስራሕ ወዘተ ክትህልዉ ትኽእሉ ኢኹም፡ ህዝቢ ንምግልጋል ትሰርሑ ክሳብ ዘለኹም ግን፡ ባህርያትኩም ክትፍትሹ ከድልየኩም እዩ። ርእስኹም ከምታ ወግሐ ጸብሐ እተጉረምርም ደርሆማይ ኰይና ዲኹም ትረኽብዋ፡ ዋላ ከምቲ ብስቕታ ልዕሊ ኩለን ኣዕዋፍ ዝበርር ንስሪ፧ እቲ መፍትሕ ኣብ ኢድኩም እዩ። እቲ ዝኽፈት ማዕጾ ኸኣ ኣብ ውሽጥኹም እዩ ዘሎ። ብውሽጢ ኢኹም ንደገ ትኸፍትዎ።” ኢሎም መዓድዎም ይበሃል።
መልእኽተይ እዚ’ዩ: ሓድሽ ኣተሓሳስባን ኣጠማምታን እናኣማዕበልካ ህይወትካን ህይወት ሕብረተሰብካን ምቕያርን ምጽባቕን ደኣምበር፡ ለውጢ ዘይብሉ ዓመታት ምቑጻር ትርጉም የብሉን። ኣብዚ ሕጂ እዋን ገሌና ርእስና ክንፍትሽ ከለና ደርሆማይ ኰይና ክንረኽባ ንኽእል ኢና፡ ንስሪ ክንከውን እንተ ወሲንና ግን ንናይ ኩለንትና ለውጢ ዝዓግተና የለን።
ኣቦ እንተ ዀንካ ካብዚ ዘለኻዮ ንላዕሊ ዝሓሸ ኣቦ፡
ኣደ እንተ ዀንኪ ዝሓሸት ኣደ፡
ሰብኣይ እንተ ኹንካ ዝሓሸ ሰብኣይ፡
ሰበይቲ እንተኹንኪ ዝሓሸት ሰበይቲ፡
መንእሰይ እንተ ዀንካ ዝሓሸ መንእሰይ፡
ዓርኪ እንተ ዀንካ ዝሓሸ ዓርኪ፡
መሳርሕቲ እንተ ዀንካ ዝሓሸ መሳርሕቲ፡
መማህርቲ እንተ ዀንካ ዝሓሸ መማህርቲ፡
ጎረቤት እንተ ዀንካ ኸኣ ዝሓሸ ጎረቤት ክትከውን ይከኣል ምዃኑ በዚ ኣጋጣሚ ከተባብዓኩም እደሊ። ናይ ኣተሓሳስባ ለውጢ ምግባር፡ እቲ ረብሓ ቀዳማይ ንዓኻ እዩ፡ ቀጺሉ ኸኣ ንኸባቢኻ፡ ኣብ መወዳእታ ኸኣ ንሕብረተሰብካን ዓለምን። ሰላም!