ሰበይቱ ኣስቤዛ ክትገብር ናብ ዕዳጋ ምስ ከደት፡ ድሕሪ ሓደ ሰዓት ይኸውን፡ ሓንቲ ናይ መዓልታዊ መዘክር ኣጀንዳ (diary) ይረክብ’ሞ፡ እንተ ገንጸላ ናይ ሰበይቱ ኰይና ትጸንሕ። ቀጺሉ እንተ ገንጸለ፡ “ነታ ብድሕረይ ተእትዋ ኣብጽሓለይ! ሓደራኻ!” ዝብል ኣንበበ’ሞ፡ ቀልቡ ስለ ዝሰሓቦ ወረቓቕቲ እታ ዳያሪ እናገናጸለ፡ ከምዚ ዝብል ጽሑፍ ረኸበ:
“ብዙሕ ንሓድሕዱ ዝገራጮ ህይወት እዩ ዘለዎ! ከም ማዕበላት ብዙሕ ማያት ድምጺ ቃላቱ ኸኣ ለይትኻ ቀሊጥዎ እዩ ዝሓድር። ምስይ ክትብል ከላ ኣእምሮኡ ከምዛ ንጣር ደበና ዘይብላ ሰማይ ጥራያ ብሪውሪው እያ ትብል። ብ…ዙሕ’ዩ ዝዛረብ፡ ብዛዕባ ሕልምታቱ፡ ብዛዕባ መጻኢ መደቡ ክዛረብ እያ ትወግሖ። ወላሓንቲ ትልውጥዮ ሰለ ዘይብልኪ ስቕ ኢልኪ ጥራይ ስምዕዮ፡ ‘ሓቀይ ድየ፧’ ኢሉ ክሓተኪ ኸሎ ኸኣ፡ እወ ሓቅኻ፡ ኢልኪ ጥራይ ጥርቅም በሊ። ዋላ እቲ ዘዕልለኪ ዘሎ ዘዕንዎ ይኹን፡ ተቓዊምኪ፡ ሓሳብኪ ገሊጽኪ ተምጽእዮ ለውጢ የለን።
ዝፈትዎ ሕብሪ ጸሊም ስለ ዝኾነ ካልእ ሕብርታት ቀይሕ ብጫ ቀጠልያ ተጠቂምኪ ዓለሙ ኣይትበርዝሉ። ብሩህ ሕብርታት ኣይፈቱን’ዩ። ክልተ ብምትካኽ ሽጋራ ናብ ጸልሎ ዝተቐየራ ሰናቡእን ብመስተ ዝተበላሸወት ጸላም ከብድን እየን ዘለወኦ። ካብ ፍቕሪ ተበጊስኪ፡ ንጽቡቑ ሓሊኺ ምትካኽን መስተን እንተ ሓደጎ ኢልኪ፡ ከይትመኽርዮ ሓደራኺ። ኣይርደኣክን’ዩ! ብዛዕባኺ ኸኣ ወላሓንቲ ኣይግደስን’ዩ፡ ባዕሉ ንባዕሉ ሙሉእ ኰይኑ እዩ ዝስምዖ። ስምዒቱ ከምተን ሰናቡኡ ኣዝዩ ጸሊም’ዩ፡ ሙድ ዝበሃል የብሉን። ሓዚንኪ፡ ጉሂኺ እንተሊኺ፡ ጓሂኺን ሓዘንክን ክሳብ 100% ዝብላ መሊሱ ከጸልምተኪ እዩ።
ድላዩ ኢሉ የነኣእሰኪ፡ ይጽረፍኪ፡ ኩሉ ክትብልዮ ዝግበኣክን ትደልይዮን ንውሽጥኺ ውሕጥ ኣቢልኪ፡ ሓረሮ ቡን ስለ ዝፈቱ፡ ንሳ ጥራይ ቀርብሉ። ብነብሱ ጸሊም ነገር እንድዩ ዘፍትወሉ፡ ሓንቲ ማዕጓ ምዑግ ምሰበለ ባዕሉ ዕላል ጀሚሩ ባዕሉ ክውድእ እዩ።
ሓቂ ክነግረኪ፡ ኣዝዩ ቁጡዕን ነዳርን እዩ፡ ግን ኩሉ ዝገበሮን ዝገበርክዮን ኣብ ውሽጢ ሒደት ደቓይቕ እዩ ዝርስዖ። ልቡ ካብ ሰማይ እያ ተገጢማትሉ መስለኒ፡ ቀልጢፉ እዩ ዝሓድግ። ውሽጡ ብሩኽ’ዩ፡ ብደጊኡ ግን ከምዛ ሙሉእ ኣካላቱ ማስኬራ ዝተኸድነ ኣይቅረብን’ዩ። እዚ ማስኬራ ኣሊኺ፡ ነቲ ውሽጡ ዘሎ ጽባቐ ከተውጽእዮ ከቢድ’ዩ።
ኩሉ ግዜ ካብ ስራሕ ንገዛ ክኣቱ እንከሎ፡ ገጹ ብጽዋገ ከዲኑ፡ ኣስናኑ እናሓርቀመ እዩ ዝኣቱ። ኣብ ኣእምሮኺ፡ ነዒንትኺ ዓሚቱ፡ ፍሽኽታን ሓጎስን ገይሩ ዘርእየኪ፡ ባዕልኺ ኣብ ገጹ ካልእ ሓጎስ ሰኣሊ። ኣብ ውሽጡ ብብዙሕ ጸገም ዝተቐብረ ሓጎስን ፍሽኽታን ክህልዎ ይኽእል እዩ፡ ግን ንሱ ሙሉእ ስለ ዝኾነ፡ ቦታ ስለ ዘይህበኪ ንሓጎሱን ፍሽኽታኡን ክትዕድንዮ ትኽእሊ ኣይመስለንን።
ክትሓዝንሉን ክትድንግጽሉን ጥራይ እየ ዝምዕደኪ! ክልውጥን ክልወጥን ኣይደሊን ማለት ኣይኮነን፡ ግን ብዘይካ ንርእሱ ንኻልእ ኣይሰምዕን’ዩ። ስለ ዘይረዳዳእ፡ ብዙሕ ግዜ እዩ ካብ ስርሑ ተባኢሱ ዝመጽእ። ብድሕሪኡ ናተይን ናይ ደቅናን ሰላም፡ ንቁልቁል ኣፉ ደፊኡዎ የምሲ። ክመሓየሽ ዓቕሚ እንተ ዝህልዎ ንዕኡ ምሓሾ፡ ስለዚ እየ ደንግጽሉ ዝብለኪ ዘለኹ። ብዘይ ዝኾነ ይኹን ምኽንያት ምሳኺ ቋይቂ እንተ ኸፊቱ፡ ኣብ ስርሑ ርእሲ ርእሱ ጨፍጪፎሞ መጺኪ ከም ዘሎ ርግጸኛ ኹኒ። ሓደ ሓደ ግዜውን ኣብ ገጹ ናይ ሕበጥን ደምን ምልክት ዘለዎ ኰይኑ ክመጸኪ እዩ። ፍሉጥ’ዩ፡ ምስቶም ኣብ ደገ ዝረኸቦም፡ ዘይዓቕሙ ናይ ተስፋ ምቑራጽ ገለ ኢልዎም ኣሎ ንሶም ከኣ ከምቲ ትፈልጥዮ ድዕምስ ድዕምስ ኣቢሎም ሰዲዶምልኪ ኣለዉ ማለት እዩ። እታ ምሸት ባዕልኺ ቅረጽያ፡ ብዝተኻእለ መጠን እንታይ ደኣ ኰንካ ኢልኪ ከይትሓትዮ፧ ባዕለይ ክነግረኪ እቲ ካብኡ ትረኽብዮ መልሲ፡ ‘ኢሂ፡ እንታይ ኰይነ ኢለኪ፧’ እያ። ቡን ጥራይ ኣፍልሒ፡ ብዘይ ዝኾነ ሽግር ሰላም ምሸት ከተምስዪ ኢኺ።
ናቱ ዘበለ ንብረት፡ ከይትትንክፍሉ፡ ‘ሓደ እንዲና እንታይ ጸገም ኣለዎ፧’ ዝበሃል ምስኡ ኣይሰርሕን እዩ። ብፍላይ ጽሑፋቱ ከም ዳያሪን ካልእ ናቱ ኣጀንዳታትን ከም ዝተንከፍኪ እንተ ፈሊጡ ገዛ ዓውደ ኲናት ቀይርክያ ኣለኺ ማለት’ዩ። ብሓጺሩ ኣብ ምድሪ ይሃሉ ኣብ ጣውላ ኣብ ትሬቶ ኣብ ኣርማድዮ ኣብ ቦትኡ ይኹን ኣብ ዘይቦትኡ ኣብ ዝሃለወ ይሃሉ ከይትትንክፍየን፡ ብዝተኻእለኪ መጠን እቲ ዘይተርፍ ዕግርግር ኣብ ገዛኺ ጠንቁ ንስኺ ክትኮኒ የብልክን።
ብጣዕሚ እየ ዘፍቅሮ! ኣዝዩ ከም ዘፍቅረኒ ኸኣ ይፈልጥ’የ! ከምቲ ንዕኡ ክግበረሉ ዝደሊ፡ ከምኡ ኸኣ ንዓይን ንደቅናን ክገብረልና፡ ብዙሕ ግዜ እየ ሓቲተዮ፡ ግን ወይከ ምንቕ። ብኻልእ መገዲውን ከረድኦ ፈቲነ፡ ደጋጊመ፡ ‘ስለምንታይ ኢኻ እቲ ትገብሮ ዘለኻ ጌጋታት ኩሉ፡ በቲ ንሕብረተሰብ ዝኸውን ዘሎ ተውህቦኻን ትምህርትኻን ተመክሮታትካን፡ ኣብ ሓዳርካ ከምኡ ዘይትኸውን፡’ ኢለዮ፡ ኣይሰምዓንን።
ይቕሬታ፡ ኣይትሓዝለይ ዝብላ ቃላት ፈጺመን ካብ ኣፉ ወጼን ኣይፈልጣን እየን። ‘በጃኻ ካብ ኣፍካ ኣውጽኣያ፡ እንተ ወሓደ ዋላ ሓንቲ መዓልቲ በይንኻ በረኻ ኬድካ፡ በላ፡’ ኢለዮ እንታይ ከም ዝበለኒ ትፈልጢ፡ ብናይ ምስትንዓቕ ዓይኒ እናጠመተ፡ ‘ሕራይ መምህረይ።’ ብጣዕሚ’ዩ ዘሕዝን። በጃኺ፡ ሓንቲ መዓልቲ ‘ይቕሬታ!’ ክብል ከሎ ክሰምዖ ደልየ ኣለኹ፡ ‘ይቕሬታ፡’ ኣቢልኪ፡ ብኣውድዮ መሊእኪ ኣስምዕኒ። ግን ንዓይን ንደቁን ንመሳርሕቱን ካልኦት ዝበደሎምን ግን ኣይኮነን። ንባዕሉ፡ ነዛ ነፍሱ፡ ነዛ ዝብድላ ዘሎ ሩሑ፡ ይቕሬታ ይሕተታ። ከባድ ምዃና ትርደኣኒ እያ፡ ግን ካብ ነብስኻ ንላዕሊ ዝበደልካዮ ሰብ የለን እሞ፡ በጃኻ ንርእስኻ ይቕሬታ ሕተታ፡ በልለይ። ‘ተቖጢዐ ኰይነ እየ እምበር፡ ከሕርቐኪ ኢለ እኮ ኣይኮንኩን።’ ትብል ዕድሚኡ ሙሉእ ዘደናገረቶ ቃል ኣላቶ። ኣሰልችያትኒ’ያ፡ እዚኣ ኣይኮንኩን ክሰምዕ ደልየ ዘለኹ፡ እታ ይቕሬታ ትብል ቃል ንርእሱ ክብላ ከሎ እየ ክሰምዕ ደልየ ዘለኹ፡ ሕራይ፧
ኣይትሓዝለይ፡ ብጣዕሚ እዩ ዘሕዝነኒ፡ ብሓዘን ዝሕለፍ ግን ኣይኮነን፡ ከቢድ’ዩ። ካብታ ብሓደ ክንነብር ዝጀመርናላ መዓልቲ ሒዘ’የ ስሌኺ እናሓሰብኩ ክጽሕፍ ጀሚረ። …ወይለይ፡ ናባኺ እባ ኣይኮንኩን ዝጽሕፍ ዘለኹ፡ ተተረዲእካ ናባኻ’ዩ! ከተዛርበኒ ስለ ዘይከኣልካ፡ ሓንቲ መዓልቲ ብድሕረይ ከንብቦ’ዩ ኢለ ንዓይን ንዓኻን’የ ጽሒፈዮ! ይቕሬታ በሎ በዲልካዮ ኢኻ! ቅሒሩ’ዩ ዘሎ፡ እቲ ጸልማት ካብ ውሽጥኻ ኣውጽኣዮ! ወደሓንካ!”
ሰብኣይ ነዚ ኹሉ በብዕለቱ ዝተጻሕፈ ድኻሙ ነቢቡ ምስ ወደአ፡ ‘እዋእ ክሳብ ክንድዚ ድየ ኣኽፊአን ደኺመን ዘለኹ፧’ ኢሉ ብምሕሳብ ንኹለን ኣብታ ጽሑፍ ዝነበራ ጌጋታቱ ኣብ ልቡ ገይሩ ክጽበያ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ሰበይቱ ኣስቤዛ ጌራ፡ ገዛ ክትኣቱ ክትብል ኣብ ኣፍደገ ጸኒሑ፡ ኣብ ብርካ ተደፊኡ፡ ‘ይቕሬታ፡’ ትብል ቃል ንመጀመርታ ግዜ ካብ ኣፉ ኣውጺኡ ክንኽነኽ ጀመረ። ንሳኸ’ሞ ዋዛዶ፡ ዳያሪኣ ከምዘንበቦ ፈሊጣ፡ ‘ንርእስኻ እየ ይቕሬታ ሕተታ ኢለካ፡ ኣነ ካብኡ ዝዓቢ ካሕሳ የብለይን፡’ ኢላ ድርቕ። ንሱውን ኣይሓመቐን፡ ‘ይቕሬታ ነፍሰይ፡ ድሕሪ ደጊም ንኸይብድለኪ ቃል ይኹነኒ!’ ኢሉ ሰበይቱ ስዒሙ፡ ድሕሪ መርዕኦም ንመጀመርታ ግዜ እናሰሓቑን እናዕለሉን ጥዑም ምሸት ኣምስዮም ንብለኩም። ይቕሬታ ዘይፈትሖ ማእሰርቲ የለን። ሰላም!