You are currently viewing 0008 ክቡር ሰብ ክቡር ሓሳብ እዩ ዝሓስብ፡ ኣብ ክቡር ነገር ከኣ ይጸንዕ

0008 ክቡር ሰብ ክቡር ሓሳብ እዩ ዝሓስብ፡ ኣብ ክቡር ነገር ከኣ ይጸንዕ

ኣብ ሕብረተሰብና፡ ብፍላይ ከኣ ኣንስትና ዘሎ ባህጊ ናይ ወርቂ መቸም ኩልና ጽቡቕ ጌርና ንፈልጦ ኢና። ወርቂ ከም ሓደ ክቡር ግምጃ ኩሉ ሰብ እዩ ዝብህጎ። ኣብ ግዜ መውስቦ ኸኣ ዝበዝሑ መጻምዲ፡ ነታ መርዓት በብዓቕሞም ሸሊሞም እዮም ዝምርዓዉወን። እቲ ወርቂ ምስ ኩሉ ሽዑ ዝግዛእ ባህላውን ዘመናውን ክዳውንትን ጫማታትን መጸባበቒታትን ተወሃሂዱ ኸኣ ነታ መርዓት የጸብቓን የኽብራን። ሰይቲ ኲስቶ ዝተኸደነቶ ጥልፊ፡ ሰይቲ ዂስቶ ዝተሸለመቶ ወርቂ እናተባህለት ከኣ ይውረየላ።

ወርቂ ክቡር ስለ ዝኾነ እዩ ሰብ ዘኽብር። እዚ ብኽብሪ ዝተሓዝ ወርቂ ኸኣ ነቲ ዘኽበሮ ዘሎ ሰብ ከኽብር ኣይሽገርን እዩ። ወርቅን ከምኡ ዝኣመሰለ ክቡር ዑንቊታትን ከመይ ጌርና ንዕቅቦ ኩልና ንፈልጦ ኢና። እቲ ክቡር ዝበሃል ንብረትካ ምስ ሰባት ክትቀርብ ከለኻ ይገልጸካ ምዃኑ ኸኣ ንርእዮ ዘለና ሓቂ እዩ። መኪናኻ፡ ባጀትካ፡ ዑንቊታትካ፡ ገንዘብካ፡ ዋኒንካ ወዘተ ኣብ ከመይ ዝበለ ቦታ ክትህሉ ከም ዘለካ እዩ ይገብረካ። ምስ ከመይ ዝበሉ ሰባት ክትራኸብ ከም ዘለካ ይመርሓካ፡ ኣካየድቲ ስራሕ (managers) ናይ ባንክ፡ ናይ ምኒስትሪ ፋይናንስ ሓለፍቲ፡ ኣውፈርትን ክሳብ መራሕቲ ሃገር ከይተረፉ ኣቓልቦኦም ስሒብካ ደረጃኻ ተፍልጦም። እዚ ዝገብሮ ዘሎ ኩሉ ትሕዝቶኻ እዩ።

እዚ ከምዚ ዝበለ ሰብ እቲ ዘለዎ ትሕዝቶ ጥራይ ኣይኮነን ዘኽብሮ፡ ከመይ ጌሩ ኣጥርዩዎ ጥራይውን ኣይኮነን፡ ከመይ ገይሩ ዓቂብዎውን ኣገዳሲ እዩ። እቲ ዝዓበየ ነቲ ሰብ ዘኽብሮ ዘሎ እቲ ኣመጻጽኣ ናይቲ ኩሉ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ ንሓደ ሃብታም ዝገልጾ ክኸውን ከሎ ካብኡ ዝዓቢ ክብሪ ዝህቦ ግን፡ ክዕቅቦ ምኽኣሉ እዩ። እዚ ዝብል ዘለኹ ግን፡ ኩሉ ብዙሕ ገንዘብን ሃብትን ዘለዎ ሰብ ኩሉ ክቡር’ዩ፡ ኩሉ ንፉዕ’ዩ፡ ወይ ኩሉ ብቕኑዕ መገዲ’ዩ ሃብቱ ዓቂብዎ ማለተይ ኣይኮንኩን። እቲ ክቡር ሰብ ክቡር ሓሳብ እዩ ዝሓስብ ኣብ ክቡር ነገር ከኣ ይጸንዕ። (ኢሳ 32፡8) እዚ ሰብ እዩ ንዓይ ሃብታምን ክቡርን።

ቅኑዕን ዓብይን ብሉጽን ሓሳብ ትሓስብ እንተዀንካ ኢኻ ብሉጽ ህይወት እናስተማቐርካ ክትነብር ዝገብረካ። ነቲ ትሓስቦን ነቲ ወግሐ ጸብሐ ተስተንትኖን ስለ ትነብሮ፡ ናቱ ውጽኢት ከኣ ደረጃ መነባብብሮኻ ማዕሪኡ እዩ። ንወለዶኻን ንዘርእኻን ከኣ ሃብትን ክብረትን ሓዲግካሎም ትኸይድ። ሕሱር ከኣ ብኣንጻሩ፡ ኣተሓሳስብኡ ጸቢብ ስለ ዝኾነ፡ ከጥሪ ኣይክእልን’ዩ። እዚ ከምዚ ዝበለ ሰብ እንተ ኣጥረየውን ብስንፍንኡን ብዝርወቱን ክዕቅቦ ስለ ዘይክእል ቦትኡ ኣብ ዝወረደ እዩ። ሰብ ብባህሪኡ ውጽኢት ናይ ኣተሓሳስብኡን ጽንዓቱን’ዩ። ብዝመጸ ንፋስ ናብዝን ናብትን ዝግፋዕ ሰብ ኣብ ክቡር ቦታ ክቕመጥ ኣይክእልን’ዩ።

Leave a Reply