You are currently viewing 0004 ዋጋኻ ወይ ክብርኻ ከም ኣተሓሳስባኻ’ዩ!

0004 ዋጋኻ ወይ ክብርኻ ከም ኣተሓሳስባኻ’ዩ!

ምስ መን፡ ኣበይ ክርከቡ ከም ዘለዎም ዘይፈልጡ ብዙሓት እዮም። ብድሕሪኡ ደረጀኦም ዝወረደ፡ ክብሮም ዝሓሰረ ኰይኑ ይስምዖም። ከምዚ፡ ‘ኣቀማምጣ ተጋግዮምሲ ምስ ዓዳላይ ይበኣሱ’ ዝዓይነቱ እዩ። ዋጋኻ ባዕልኻ ኢኻ ተኽብሮን ተሕስሮን። እቲ ትርከበሉ ቦታታትን ትረኽቦም ዓይነት ሰባትን ንክብርኻን ዋጋኻን ኣዝዩ ወሳኒ እዩ። እዛ ትስዕብ ኣብነት ንርኣያ’ሞ፡ ብድሕሪኡ ሓሳበይ ክገልጽ እየ:

ሓደ ኩንታል ጽሩይ ሓጺን ኣሎ ንበሎ። እዚ ሓደ ኩንታል ሓጺን ከም ዘለዎ ንኺሎ ሕሳብ 50 ሳንቲም፡ ብ500 ቅርሺ ክትሸጦ ትኽእል ኢኻ። ቀጥቂጥካ ኸኣ፡ ከባቢ 300 ማሕረሻ ክወጸልካ ይኽእል’ዩ። ዋጋ ሓደ ማሕረሻ 50 ቅርሺ እንተዀይኑ፡ ክሳብ 15,000 ክትሸጦ ትኽእል። ማንካታትን ፋርኬታን ኣስሪሕካ ኸኣ፡ ከባቢ 50,000 ክትሸጣ ትኽእል ኢኻ። መትሓዝ ጸጉሪ እንተኣስሪሕካያ፡ ከባቢ 200 ሽሕ ክትሸጣ ትኽእል ኢኻ፡ ወዘተ። እዛ ሓንቲ ኩንታል ሓጺን፡ ማሽን ናይ ዝኾነ ፍርያት ንህዝቢ ዝጠቅም እንተ ኣስሪሕካያ ከኣ ብሚልዮናት ኣታዊ እናረኸብካ፡ ንህዝቢ እናጠቐምካ ንመዋእልካ ብዘይስክፍታ ከተናብረካ ትኽእል ኣቕሓ እያ። እዚ በብደረጅኡ ነናቱ ዋጋ ዘኽፍል መስርሕ ክኸውን ይኽእል’ዩ፡ ዋጋ ከይከፈልካ ግን ክብርን መዓርግን የለን። ስለዚ ክብርኻን ዕቤትካንከ ብኸመይ ትዕቅቦ፧ ዝብል ሕቶ ክስዕብ ብግዲ እዩ።

ንስኻ ከምቲ ንርእስኻ ትሓስባ ጥራይ ኣይኮንካን፡ ከምቲ ካልኦት ዝገልጹኻውን ኣይኮንካን። ንዓኻ ክትከኣካ፡ ወይ ናትካ ስራሕ ክሰርሕ ዝተመደበ ሰብ የለን። ፍሉይነትካ እዩ ሓይልኻ፡ ፍሉይነትካ እዩ ክብርኻ። እዚ ፍሉይነትካ ሓቅን ዘይቅየርን ስለ ዝኾነ፡ ንርእስኻ ኣእሚንካ ኩሉ ሰብ ከም ዝፈልጥ ከኣ ክትገብር ኣለካ።

ብኸመይ መገዲ፧

  1. ህይወትካ ቀዳምነታት እናሰራዕካ ምርሓዮ።
  2. ክብርኻ ዘውርድ ዘበለ ኹሉ ደረት ግበረሉ።
  3. ንርእስኻ እንታይ ኢልካ ትሰብካ ከም ዘለካ ተማሃር።
  4. ነቐፌታታትን ወቐሳታትን ብኻልእ ኣወንታዊ ቃላት ተኪእካ ንባዕልኻ ተዛረብ። ንኣብነት ንርእስኻ ብቑዕ ምዃንካ፡ ኣብ ቅድሚ ዝኾነ ይኹን ሰብ ከኣ ሞጎስ ከም ዘለካን ናብ ልብኻ ንዝመጸ ክትገብር ከኣ ዓቕሚ ከም ዘለካን ብቃላትካን ብግብርኻን ኣርእያ።
  5. ኣብቲ ከዕብየኒ ይኽእል’ዩ ዝበልካዮ ወፍሪ ጥራይ ተሳተፍ።
  6. ሓደስቲ ነገራት ክትመሃርን ከተንብብን ከኣ ኩሉ ግዜ ንቑሕ ኩን።
  7. በእምሮን ብመንፈሳውን ህይወትካ ዕብየት እናርኣኻ ትኸይድ ከም ዘለኻ እናረጋገጽካ ኺድ። ብዘሎ ስጋኻን መንፈስካን ነፍስኻን ብዘይመንቅብ ክርከብ ይተሓሎ።
  8. ንስጋኻ ዝጠቅም ጥዕና ዘለዎ መግቢ ምምጋብን፡ ዝስየቋርጽ ጽቡቕ ኣካላዊ ምንቅስቓስን ኣዘውትር።
  9. ካብ ካልኦት ሰባት ዝኾነ ይኹን፡ ጽቡቕ ከም ዘለኻ መረጋገጺ ኣይትጸበ። ክብርኻ ኣብ ናይ ካልኦት ሰባት ሓሳብ ዝምርኮስ ኣይኮነን።
  10. ህይወትካ ብዕላማን ራእያትን ደኣምበር ብሰብ ኣይተማእዝኖ። ሰብ ሓሳብ ክህበካ ጽቡቕ’ዩ፡ ውሳኔ ግን ናትካ እዩ።
  11. ዝተዓወትካዮን ዝተጎናጸፍካዮም ነኣሽቱ ዕቤታትን ኣድንቕን ንኻልእ ዓወታትን ዕቤትን ከኣ ንድፊ ኣውጽእ።
  12. ጌጋታትካ ተማሃረሎም፡ ይቕሬታ ምባል ከኣ ተላመድ። ሰብ ክሳብ ዝኾንካ ጌጋ ዘሎ እዩ፡ ንሱ ኣይኮነን ንዓኻ ዝገልጸካ። ጌጋታትካ ከም ትምህርቲ እንተ ተጠቒምካሎም ኢኻ ክብርኻ ትዕቅብ።
  13. ንርእስኻ ምስ ካልኦት ኣይተወዳድራ፡ ብዝኾነ ይኹን መገዲ ኸኣ ንርእስኻ ኣይተደናግራ። ንኽብሪ ኣምላኽን ንኽብርኻን ትነብር ከም ዘለኻ ንነፍሲ ወከፍ ሰብ ፍሉጥ ግበሮ።
  14. ምስ ሰብ ትነብር ክሳብ ዝሃለኻ ምትሕግጋዝ ክፋል ናይ ህይወትካ ግበሮ። ኣብ ሰባት ኣወንታዊ ስእሊ ክህልወካ ስለ ዝገብር፡ ክብርኻ ልዕሊ ማንም ተዓቂቡ ክትርእዮ ኢኻ።

እዚ ኹሉ እንተ ገበርካ ንርእስኻ ኣብ ነፍሲወከፍ ሰብ ኣገዳስን ተደላይን ኰይና ክትረኽባ ኢኻ። እዚ ኣብ ላዕሊ ዝጠቐስክዎ ኹሉ ናይ መዓልታዊ ልምድኻ እንተ ዀይኑ፡ ዋጋ ከም ዘለካን ኣብ ዝኣተኻዮ ኸኣ ከም ተጸብቕን ብመጠን እቲ ትዓዮ ኸኣ ክብርኻ እናወሰኸ ከም ዝኸይድን ርጉጽ እዩ።

ስለዚ ዋጋኻ ባዕልኻ ኢኻ ትውስኖ። ኣብ ውሽጥኻ ብብዙሕ ጸዓትን ብብዙሕ ክቡር ነገርን ዝመላእካ ምዃንካ ዘይምፍላጥ እዩ ደምበር፡ ዝኾነ ሰብ ካብቲ ካልእ ሰብ ዝተፈልየ ስለ ዝኾነ ኣይኮነን። ካብ ውሽጥኻ ክወጽእ ዘለዎ ብዙሕ ንኣኻን ንሕብረተሰብን ዝጠቅም ክቡር ነገር ኣሎ። ዘይምፍላጥን ነቲ ትፈልጦ ኣጥዒኻ ዘይምፍላጥን እዩ ኣብዚ ምድሪ ተራ ሰብ ኰንካ ክትሓልፍ ዝገብረካ። ሰላም!

Leave a Reply