- ዓርክኻ እንተ ዀይኑ፡ ብኣኻ ፈጺሙ ኢዱ ኣይህብን’ዩ። ሓደ መዓልቲ ተለዊጥካ ወይ ተዓዊትካ ክርእየካ ስለ ዝብህግን በዚ ኸኣ ርግጸኛ ስለ ዝኾነን፡ እናተቓጸለ እዩ ምሳኻ ዝቕጽል። ምኽንያቱ ዓርክኻ እንተ ዀይኑ እቲ ሕጂ ዘቃጽሎ ዘሎ ተግባራትካ ዘይኮነ፡ እቲ ኣብ ውሽጥኻ ዘሎ ምስ ናቱ ክወሃሃድ ዝኽእል ጽባቔኻ ጽቡቕ ጌሩ እዩ ዝፈልጦ።
- ዓርክኻ እንተ ዀይኑ፡ ዓብይ ይኹን ንእሽቶ ምስጢር ኢልካ ዝነገርካዮ፡ ክሳብ መቓብሩ ሒዙዋ ይዓርብ እምበር፡ ንኻልእ ብጩቕ ኢሉ ኣየተንፍሳን’ዩ። ዓርክኻ ንዓኻ ዝመስል ካልኣይካ እዩ፡ ከም ልብኻ እዩ ዝሓስብ፡ እንታይ ይጎድኣካ፡ እንታይ ኣይጎድኣካን ኣጥዕዩ እዩ ዝፈልጥ።
- ዓርክኻ እንተ ዀይኑ፡ ደዊሉልካ እንተ ዘይተቐበልካዮ፡ ዋላ ሓጺር ጽሑፍ ጽሒፉልካ እንተ ዘይመለስካሉ፡ ዋላ ሚስኮል ርኢኻ እንተ ዘይደወልካሉ፡ እንታይ ኮን ይኸውን ኢሉ ይሰግእ ደኣምበር ኣይኩርይን’ዩ። ምኽንያቱ ዘለኻዮ ኩነታት ክርደኣልካ እዩ ዝደሊ እምበር፡ ኣሉታዊ ኣተሓሳስባ ናብ ርእሱ እናምጽአ ናብ ኲራ ኣይከይድን’ዩ።
- ዓርክኻ እንተ ዀይኑ፡ ንጓል ከሐጉስ ክብል፡ ብኣኻ ኣይላገጽን’ዩ። ዓርኩ ልዕሊ ኹሉ ምዃኑ ጽቡቕ ገይሩ ይርድኦ’ዩ። እዚ ናይቲ ኣሕጺሩ ዝጥምት ድኹም፡ኣተሓሳስባ ዝውንን ሰብ ባህሪ እዩ። ካብ ንጓል ከሓጉስ ኢሉ ንዓኻ ክብርኻ ዝትንክፍ ነገራት ዝገብር፡ እታ ጓል ክኸስራ ይሕሾ።
- ዓርክኻ እንተ ዀይኑ ብልቢ ዝገጠመካ ሰብ ስለ ዝኾነ፡ ንዝጠመትካያ ጓል ኣይጥምትን’ዩ። ወይ ንስኻ ፈቲኻያ ከም ዘለኻ ንዝፈለጣ ጓል ናባኻ ከቕርባ ይፍትን ደኣምበር ብኻልእ ዓይኒ ኣይጥምታን እዩ።
- ዓርክኻ እንተ ዀይኑ፡ ዋላ ኣዝዩ ከቢድ በደል በድሎ፡ ከም ዝበደልካዮ የረድኣካን ይቕሬታ ክትሓቶ ከም ዘለካ ገይሩ ሓድሽ ህይወት ከም ትጅምሩ ይገብር ደኣምበር፡ ምሳኻ ንሓዋሩ ኣይበትኽን’ዩ። ብዝኸውንን ዘይከውንን ንሓዋሩ ምርሕሓቕ፡ ምልክት ናይቶም ብረብሓ ዝቀራረቡ ሓጺር ጥራይ ዝሓስቡ ትርጉም ዕርክነት ዘይፈልጡ ሰባት ባህሪ እዩ።
- ዓርክኻ እንተ ዀይኑ፡ ንስኻ ዝገደፍካያ ወይ ንዓኻ ከም ዘይትኸውን ፈሊጥካ ዝረሓቕካያ ጓል፡ ምሳኻ ዘይገጠመት፡ ምስኡውን ከም ዘይትረዳዳእ ስለ ዝፈልጥ፡ ንፍቕሪ ኣይሓትትን’ዩ። ጸገም የብሉን ኢሉ፡ ምስ ከምዚኣ ዝበለት ጓል ፍቕሪ ክጅምር ዝፍትን ወዲ፡ ዓርክኻ ኣይኮነን።
- ዓርክኻ እንተ ዀይኑ፡ ሓፍትኻ ሓፍቱ እያ። ናይ ልቢ ዝተገጣጠምኩም ስለ ዝኾንኩም፡ ንሓፍትኻ ከም ሓፍቱ እዩ ዝርእያ። ዋላ ኣንጻር ጾታ ደኣ ይኹኑ እምበር፡ ከፍቅራ ኣይክእልን እዩ፡ ንፍቕሪ ከኣ ኣይሓታን እዩ።
ዓርክኻ፡ እዚ ኹሉን ካልእን ጽባቐ ዘለዎ ስለ ዝኾነ ንዓኻ ኸኣ ሓደ ሓላፍነት የውህበካ። ዓርክኻ እንተ ዀይኑ ንስኻ ኸኣ ዓርኩ ስለ ዝኾንካ፡ እዚ ኹሉ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ ባህርያት ክህልወካ ብግዲ እዩ። ዓርኪ ክቡር እዩ! ሰላም!