You are currently viewing 0003 ብእምነት ምውራስዶ ብድንቁርናን ትህኪትን ምምልላስ፧!

0003 ብእምነት ምውራስዶ ብድንቁርናን ትህኪትን ምምልላስ፧!

ሓደ ግዜ ሓደ ጥሩፍ፡ ፍልይ ዝበለ (ዝሞቖ) ዓንደ ዝተባህለ መንእሰይ፡ ናብ ተኽለ ዝተባህለ ሃብታም ሰብኣይ ከይዱ፡ ‘ጐይታ እዚ ገዛኻ ኣውሪስኒ እዩ።’ ይብሎ። ተኽለ ፍሽኽ እናበለ ‘ብሓቂ፧! እሞ ክንወጽኣልካ ቁሩብ ግዜ ሃበና፧’ በሎ። ዓንደ ከም ሓውሲ ትርር ኢሉ፡ ‘እግዚኣብሄር ሓያል’ዩ፡ እዚ ጥራይውን ኣይኮነን ኣውሪሱኒ፡ ኣዝዩ ብዙሕ ካልእ ዓበይቲ ፋብሪካታትውን ቃል ኣትዩለይ ኣሎ!’ ይብሎ።

ተኽለ ናይ ምድንጋር ስምዒት እናተራእዮ፡ ‘ደሓን ናይቲ ፋብሪካታት ይጽንሓልና፡ ግን ብኸመይ መገዲ ደኣ ወደይ እዚ ገዛ ኣውሪስካ፧’ ይብሎ’ሞ ሕጂውን ዓንደ ብርእሰ ምትእምማን ‘ብእምነት!’ ኢሉ ይምልሰሉ። ተኽለ ሓውሲ ሕርቃን እናተሰምዖ ‘እዋእ፡ በቃ ብእምነት’ያ፡ ካልእ የብላን፧’ ይብሎ። ዓንደ ኳሌታ ካምችኡ እናመዓራረየ፡ ‘እወ ብእምነት! ካብ እምነት ወጻኢ ኩሉ ከንቱ’ዩ!’ ብምባል ሕርቃን ተኽለ ነዳዲ ወሰኸሉ።

ሽዑ ተኽለ ንዓንደ ጋሻ ሙቐት ተሰሚዕዎ ይዓብድ ከም ዘሎ ስለ ዝተረደኦ፡ ሕርቃኑ ሓዲጉ፡ ናብ ልቡ ምልስ ኢሉ ፍሽኽ እናበለ፡ ‘እሞ ካብ በልካ ደኣ ሕራይ ገዲፈልካ ኣለኹ።’ ይብሎ። ብድሕሪኡ ዓንደ (ወራሲ ሓውና) ካብ መጠን ንላዕሊ ተሓጒሱ፡ ‘በቃ፡ እሞ ውዕል ንግበር፡ ንፈራረም፡ ሊብሬቶ ሃበኒ፡ ንወድእ!’ ብምባል ንዕሽነቱ መሊሱ የራጉዶ።

ተኽለ ተረጋጊኡ ስለ ዝነበረ፡ ‘ብኣይ ወገን ዘድሊ ዘበለ ኩሉ ወዲአልካ እየ። እቲ ውዕል ፈሪመልካ’ለኹ፡ ሊብሬቶ ኸኣ ምስኡ ሂበካ’ለኹ።’ ይብሎ። ክሳብ እዚኣ ንዓንደ ወላሓንቲ ስለ ዘይተረደኦ፡ ‘ኦው… ድሮ ኹሉ ወዲእካ ኣዳሊኻዮ!፧ ዋው፡ ኣምላኸይ እሙን’ዩ! ኣይጋገይን’ዩ! ንኽልቴና ብሓደ በጺሕና ማለት እኳ እዩ ዝኸውን ዘሎ። ክብሪ ንኣኻ ይኹን፡ ሃሌሉያ!’ እናበለ፡ ብናቱ ኣተሓሳስባ የመስግን።

ሽዑ ዓንደ ምስጋናኡ ምስ ወድአ ንተኽለ፡ ‘እሞ ብኸመይ ደኣ እቲ ውዕልን ሊብሬቶን ሂብካኒ፧’ ኢሉ ሓተቶ። ተኽለ ኸኣ ትቕብል ኣቢሉ፡ ‘ብእምነት!’ ይብሎ’ሞ፡ ዓንደ፡ ዝያዳ መረጋገጺ ዝደለየ ክመስል ‘እ፧’ ይብሎ። ተኽለ ኸኣ ፍሽኽ እናበለ፡ ‘ብእምነት እንዲኻ ወሪስካዮ፡ ኣነ ኸኣ ሓንቲ ከየትረፍኩ፡ ኩሉ ብእምነት ሂበካ’ለኹ።’ ምስ በሎ፡ ዓንደ ተዓኒዱ ደው በለ ይበሃል!

ሞራል: ኣብ ምድሪ ብስራሕ፡ ብፍታው፡ ብደም (ብዘርኢ) ብዓሌት ወዘተ እዩ ዝጥረ። ብእምነት ዝውረስ የለን። ብፍላይ ንኸም ብዓል ዓንደ ወላሓንቲ ከም ዘይብሎም ፍሉጣት ስለ ዝኾኑ፡ ብስራሕ ጥራይ እዮም ከጥርዩ ዝኽእሉ። ስለዚ እዩ ሃዋርያ ጳውሎስ፡ ‘ሓደ ሰብ ክሰርሕ ዘይፈቱ እንተ ዀይኑ፡ ኣይብላዕውን፡’ ኢሉ ንሰብ ተሰሎንቄ ዝኣዘዞም። መንግስተ ሰማያት ጥራይ እዩ ብእምነት ዝውረስ። “ውሉድ ካብ ኰንናኸ፡ ወረስቲ ድማ ኢና፡ ንኣምላኽ ወረስቱ፡ ንክርስቶስ መዋርስቱ ኢና።” (ሮሜ 8፡17) (ኤፌ 2፡8-9, ዮሃ 3፡16, ዮሃ 1፡12 ቲቶስ 3፡6-7 ይነበብ) ተባረኹ!

Leave a Reply