ብዙሓት ሰባት ንዝኾነ ካልእ ሰብ ክሕግዙ እንከለዉ ኣምሳያ ናይቲ ዝሓገዝዎ ይጽበዩ እዮም። ፍጹም ክለውን ዘይብሉ ሓገዝን ትጽቢትን እዩ። ንኣብነት፡ ንሓደ ነብሪ ወይ ዝኾነ እንስሳ መሮር (ኣራዊት) ኣብ መፈንጠራ ኣትዩ ወይ ዝኾነ ሓጹር ሒዝዎ ርኢኻ ካብቲ ዘለዎ መጻወድያ ንክወጽእ ሓጊዝካዮ ከተብቅዕ፡ ምስ ወጸ ኣብ ክንዲ ዘመስግነካን መገዱ ዝቕጽልን፡ ክነኽሰካ ወይ ክበልዓካ ይኽእል’ዩ። ስለዚ’ዩ ዝበዝሐ ግዜ ንዝተሸገሩ ክፉኣት ኣራዊት ይኹኑ ሰባት፡ ካብቲ ኣትዮሞ ዘለዉ መጻወድያ ክወጹ ካልእ ሰብ ክሕግዞም ዘይርአ።
ሓደ ግዜ ተመንን ከልብን ተራኺቦም ዕላል ጀሚሮም ይበሃል። ከም እንስሳታት ብዙሕ ከዕልሉ ጸኒሖም፡ እቲ ከልቢ ንተመን፡ “ዝኾነ ይኹን እንስሳ ጽቡቕ እንተ ጌሩልካ ወይ ክትገብረሉ ኣለካ ወይ ክትነግረሉ ኣለካ፡” ይብሎ። ተመን ከኣ፡ “ኣይገብርን፡ ኣይነግርን!” ኢሉ, ድርቕ ይብል። ከልቢ እናገረሞ፡ “እዋእ ግድን ከምቲ ዝገበሩልካ፡ ክትገበረሎም ክትክእል ኣለካ እምበር፡ ኣይገብርን ኣይነግርን ማለትከ እንታይ ማለት’ዩ፧” ይብሎ። ተመን ብጊዴኡ “ኣነ’ሞ ከምኡ ዘይኮንኩ!” ይብሎ። “እንታይ ማለትካ’ዩ፧” ይሓቶ ከልቢ እናደንጸዎ። ተመን ከይተዳህለ፡ “ኣነ ክጥምጠም፡ ክነክስ፡ ሕንዚ ክነዝሕ፡ ክቐትል ጥራይ እየ ዝደሊ! ካልእ ከምዚ ትብሎ ዘለኻ ብዙሕ ኣይርደኣንን’ዩ።” ይብሎ። ከልቢ ኸኣ ኣበሃህልኡ ስለ ዝደንጸዎ ንኸረጋግጽ “እዋእ፡ እሞ ዋላ ንሓጋዚኻ፧” ብምባል ይሓቶ። “እወ፡ ንኹሉ ብኣልማማ፡ ከይፈላለኹ!” ይብሎ ተመን ዓይኒ ዓይኑ እናጠመተ። ወያ ከልቢ ዝሰምዖ ዘሎ ንኽኣምኖ ስለ ዘሸገሮ ከይተዋሕጠሉ፡ “ሕራይ በል።” ኢልዎ ንዕኡውን ከይነኽሶ ጎቦ ዓይኑ እናጠመቶ ከደ ይበሃል።
ገለ ገለ ናይ ተመን ባህርይ ዘለዎም ሰባት ንምሕጋዝ ወይ ንምድጋፍ ከም ዘይምልከቶም እዮም ዝርእዩዎ። ካብኡ ሓሊፎም ከኣ ከም ተመን ብኣልማማ ንኹሉ ነኺሶም ክጎድኡ ጥራይ ባህ ዝብሎም እቲ ክፉእ ናይ ጸልማት ስራሕ ዝተሓንገሮም ብዙሓት እዮም። ስለዚ፡ ንሓደ ሰብ ተሸጊሩ ኢልካ ክትገብረሉ ክትሓስብ ከለኻ፡ እቲ ትገብረሉ ዘለኻ፡ ኣምሳያ ዝገበርካሉ ክገብረልካ ኢልካ ከይተጸበኻ፡ እንተገበርካሉ ይምረጽ። ብዘይካ’ዚ፡ ንሓደ ሰብ ክትድግፍ ወይ ክትሕግዝ ኢልካ ኣብ ትሓስበሉ እዋን፡ መሊስካ ካብቲ ሰብ ሓገዝ ኣብ ትደልየሉ ግዜ እቲ ዝሓገዝካዮ እንተ ዘይዘከርካዮ ይሕሸካ።
ካብዚ ዝሓለፈ ኸኣ ኣሎ። ኣብ ህይወትካ ንኽትድግፎም ዘሸግሩ፡ ንኽትምህሮም ዘሸግሩ፡ ንኸተዕብዮም ዘሸግሩ ብዙሓት’ዮም። ስለዚ እዩ ፈጣሪ፡ ‘እቲ ሓደ ነቲ ሓደ ክፉእ ከይፈድዮ ተጠንቀቑ። ኩሉ ግዜ ንሓድሕድኩምን ንኹሉ ሰብን ሰናይ ንምግባር ተጋደሉ’ ዝብል። (1ተሰ 5፡15) እዚ ማለት ከኣ ገለ ገለ ሰናይ ንኽትገብረሎምን ንኽትሕግዞምን ክትጋደሎም ዘለካ ሰባት ኣለዉ። ስለዚ ሓገዝ ምስ ደምካ ዝተወሃሃደ ባህሪኻ እዩ ክኸውን ዘለዎ። ሓገዝን ደገፍን ገጽ ርኢኻ ዝግበር እንተ ዀይኑ ስሙ ስለ ዝቕይር፡ ንኹሉ ንኽትሕግዝ ልብኻ ክፉት ክኸውን ኣለዎ።