Skip to content
- ተስፋ ዝቖረጸ ሰብ፡ ርእሰ ተኣማማንነት ስለ ዘይብሉ ኣብ መገዲ ርእሱ ኣድኒኑ ጀጒነን ጀጒነን እናበለ እዩ ዝኸይድ።
- ጥቕሉል ፍርሂ ስለ ዘለዎ ክቕመጥ እንከሎ ኸኣ ከምዛ ሽንቲ ዝተወጠጠት ሰበይቲ ተጨባቢጡ እዩ ኮፍ ዝብል።
- ህይወቱ ዘይርጉእ ካብ ምዃኑ ዝተላዕለ ቀወምቲ ኣዕሩኽ ወይ መሓዙት የብሉን።
- ዋላ ኩሉ ሰብ ተረጋጊኡ መሬት ሰላም ከሎ፡ ብውሽጡ ስለ ዝርበሽ ኣብ ኩሉ ኣካይዳኡ ርቡጽ እዩ።
- ኣብ ነፍሲ ወከፍ ምዝርራብ ኣብ ክንዲ ነቲ ኣወንታዊ ክፋል ዘድህብ ኣብቲ ባዕሉ ኣሉታዊ ዝበሎ ነጥብታት ስለ ዘድህብ፡ ቀልጢፉ እዩ ዝቑጣዕ።
- ዕላማ ህይወቱ ብንጹር ስለ ዘይፈልጥን ብዘይ ራእይ ስለ ዝጓዓዝን ውሳኔታቱ ኩሉ ሓጺር እዩ።
- ካብቲ ተስፋ ምቑራጽ ዝተላዕለ፡ ርጉእ ስለ ዘይኮነ ኣብ ቅድሚ ሰባት ክቐርብ እንከሎ ሞጎሱ ግፉፍ እዩ።
- ኣብ ዝኸውንን ዘይከውንን ክሓስብ ግዜ ስለ ዝዓርቦ ንምሕጻብን ጽሬትን ግዜ የብሉን። ቆርበቱ፡ ብዝርአን ዘይርአን ተጎሮ መርኣዪ የብሉን።
- ጽሬት ካብ ዘይምህላው ዝተላዕለ ኩሉ ኣካላቱ ብምኽንያት ድሮና ከባቢኡን ረሃጹን፡ ካብ ጸጉሪ ርእሱ ጀሚርካ ክሳብ ከብዲ እግሩ ክፉእ ሽታ ኣለዎ።
- ኣይኮነንዶ ንኻልእ ንነብሱውን ግዜ ስለ ዘይብሉ ጽፍሩ፡ ነዊሕን ረሳሕን’ዩ። ጸጉሩውን ቀልጢፉ ኣይቅምቀምን እዩ። ወዘተ
- ብዙሕ ዘሕፍሮ ግብርታትን ተስፋ ዘቑረጾ ነገራትን ስለ ዘለዎ ብሓጺሩ ኣብ ክንዲ ናብ ርእሱ ናብ ከባቢኡ ስለ ዝጥምት ለውጢ ንኽገብር ድሉው ኣይኮነን።
- ካብቲ ኣብ ኣእምሮኡ ዘሎ ግጉይ ኣረዳድኣን ኣብ ኣካላቱ ዝርአ ርስሓትን ሕማቕ ሽታን ስለ ዘሕንኾን ዘሰክፎን ኣብ ዝኾነ ይኹን ማሕበራዊ ጉዳያት ኣይሳተፍን እዩ።
You Might Also Like