You are currently viewing 0005 ዓሰርተ-ክልተ ምልክታት ተስፋ ዝቖረጸ ሰብ

0005 ዓሰርተ-ክልተ ምልክታት ተስፋ ዝቖረጸ ሰብ

  1. ተስፋ ዝቖረጸ ሰብ፡ ርእሰ ተኣማማንነት ስለ ዘይብሉ ኣብ መገዲ ርእሱ ኣድኒኑ ጀጒነን ጀጒነን እናበለ እዩ ዝኸይድ።
  2. ጥቕሉል ፍርሂ ስለ ዘለዎ ክቕመጥ እንከሎ ኸኣ ከምዛ ሽንቲ ዝተወጠጠት ሰበይቲ ተጨባቢጡ እዩ ኮፍ ዝብል።
  3. ህይወቱ ዘይርጉእ ካብ ምዃኑ ዝተላዕለ ቀወምቲ ኣዕሩኽ ወይ መሓዙት የብሉን።
  4. ዋላ ኩሉ ሰብ ተረጋጊኡ መሬት ሰላም ከሎ፡ ብውሽጡ ስለ ዝርበሽ ኣብ ኩሉ ኣካይዳኡ ርቡጽ እዩ።
  5. ኣብ ነፍሲ ወከፍ ምዝርራብ ኣብ ክንዲ ነቲ ኣወንታዊ ክፋል ዘድህብ ኣብቲ ባዕሉ ኣሉታዊ ዝበሎ ነጥብታት ስለ ዘድህብ፡ ቀልጢፉ እዩ ዝቑጣዕ።
  6. ዕላማ ህይወቱ ብንጹር ስለ ዘይፈልጥን ብዘይ ራእይ ስለ ዝጓዓዝን ውሳኔታቱ ኩሉ ሓጺር እዩ።
  7. ካብቲ ተስፋ ምቑራጽ ዝተላዕለ፡ ርጉእ ስለ ዘይኮነ ኣብ ቅድሚ ሰባት ክቐርብ እንከሎ ሞጎሱ ግፉፍ እዩ።
  8. ኣብ ዝኸውንን ዘይከውንን ክሓስብ ግዜ ስለ ዝዓርቦ ንምሕጻብን ጽሬትን ግዜ የብሉን። ቆርበቱ፡ ብዝርአን ዘይርአን ተጎሮ መርኣዪ የብሉን።
  9. ጽሬት ካብ ዘይምህላው ዝተላዕለ ኩሉ ኣካላቱ ብምኽንያት ድሮና ከባቢኡን ረሃጹን፡ ካብ ጸጉሪ ርእሱ ጀሚርካ ክሳብ ከብዲ እግሩ ክፉእ ሽታ ኣለዎ።
  10. ኣይኮነንዶ ንኻልእ ንነብሱውን ግዜ ስለ ዘይብሉ ጽፍሩ፡ ነዊሕን ረሳሕን’ዩ። ጸጉሩውን ቀልጢፉ ኣይቅምቀምን እዩ። ወዘተ
  11. ብዙሕ ዘሕፍሮ ግብርታትን ተስፋ ዘቑረጾ ነገራትን ስለ ዘለዎ ብሓጺሩ ኣብ ክንዲ ናብ ርእሱ ናብ ከባቢኡ ስለ ዝጥምት ለውጢ ንኽገብር ድሉው ኣይኮነን።
  12. ካብቲ ኣብ ኣእምሮኡ ዘሎ ግጉይ ኣረዳድኣን ኣብ ኣካላቱ ዝርአ ርስሓትን ሕማቕ ሽታን ስለ ዘሕንኾን ዘሰክፎን ኣብ ዝኾነ ይኹን ማሕበራዊ ጉዳያት ኣይሳተፍን እዩ።

Leave a Reply