ኣቦ ኣብ ገዛ ምንጪ ናይ ኩሉ ዝበጻሕካዮ እዩ። ካብ ግዜ ህጻንነትካ ጀሚሩ ክሳብ ብመርዓን ሓዳርን ትፍለ ኣቦ ኩሉ ግዜ ምንጭኻ እዩ። እንተ ነፊዕካ ኸኣ ክሳብ ብህይወት ዘሎውን ክትጥቀመሉ ትኽእል ኢኻ። ኣቦኻ ልክዕ ከም መሰረት ናይ ሓደ ጽቡቕ ዝትርኢቱን፡ ድልዱልን፡ ገዛ ነቲ ውቁብን ብኢንጂነራትን ኣርክቴክታትን ዝማዕረገ ገዛ ዝስከም ‘መሰረት’ እዩ። ኣብ ትሕቲ ምድሪ ዀይኑ ንኹሉ እቲ ዓብይ ህንጻ ዝስከም፡ ግናኸ ዘይርአ፡ ብዓል ሙሉእ ጸዓት እዩ። እዚ ዝብል ዘለኹ፡ ነቲ ኣቦ ዝበሃል እምበር ነቲ ወላዲ ጥራይ ኣይኮንኩን። ኣቦን ወላድን ይፈላለዩ እዮም። ኣቦ ክብል ከለኹ ነቲ ናይ ሓቂ ኣቦ እየ፡ ነቲ ወሊዱ ዝጠፍእ ኣይኮንኩን። ንሱ ወላዲ እዩ ዝበሃል፡ እቲ ወሊዱ ዘዕቢ ኸኣ ንሱ እዩ ኣቦ። ንፉዕ እንተ ዀይኑ፡ እቲ ወላዲ ኣቦ ይኸውን፡ እምበር ስቕ ኢልካ ኣቦ ኣይክወንን እዩ። ወላዲ፡ ይወልደካን ናቱ ዲኤንኤ ከኣ ይህልወካ፡ ዓቕሙ ብዘፍቀዶ እንተ ዘይኣልዩካ፡ እንተ ዘይሓብሒቡካ፡ እታ ክትከደላ ዝግበኣካ መገዲ እንተ ዘይኣርእዩካ ከመይ ኢሉ ኣቦ ክበሃል፧ እዚ ክገብር ዘይክእል፡ ወሊዱካ ካባኻን ካብ ኣዴኻን ዝረሓቐ ወላዲ ግን እቲ ምንጪ ንብሎ ዘለና ኣቦ ኣይኮነን። ብፍላይ ሎሚ፡ ምንጪ ናይ ኩሉ ዓወታትካን ኣበርክቶታትካን ዝኾኑ፡ ከይወለዱ ኣቦታት ዝኾኑ (adopt ዝገብሩ) ብዙሓት እዮም። ስለዚ ሎሚ ኣቦ ክወልደካ ኣየድልዮን’ዩ ማለት’ዩ። “ኣቦኻ፡ ብር እናበልካ ክትሕጎስ ዝገብረካ፡ ‘ዝያዳ’ እናበለ ዝጽውዓካ ኣብ ኩሉ ሸነኻት ህይወትካ ዝርከበልካ፡ ካብ ንእስነትካ ኣቦኻን ዓርክኻን ክኾነልካ መን ይረኽቦ፧”
ስለምንታይ ኢና ምስ ጎበዝና ምስ ኣቦታትና ንኮራረ፧ ኢለ ክሓስብ ከለኹ ብዙሕ መመኽነይታታት እኳ እንተ ሃለወ፡ ኣቦ ዀንካ ህይወት ክትርእዮ እንከለኻ ግን፡ ብዙሕ ተስተብህሎ ኣሎ። ንኣብነት ኣብቲ መጀመርታ ህጻናት እንከለዉ፡ ንደቀይ ብዙሕ፡ ንሶም ዘይደልዎ፡ ግን ዘድልዮም ጽቡቕ ነገር ክገብረሎም ከለኹ ክበኽዩን ከጉረምርምን ምስ ረኣኹ፡ ለካ ኣቦ ዘድልየካ እምበር ትደልዮ ጥራይ ኣይኮነን ዝገብረልካ ክብል ጌርኒ። ‘እንታይ እዩ እቲ ጸገም’ ኢለ ክሓስብ ከለኹ፡ ኣቦኦም ንዕኦም ዝጠቅም ደኣምበር፡ ምስ ድልየታቶም ጥራይ ከም ዘይገብረሎም ዘይምፍላጦም እዩ። ንኣብነት ህጻናት ኰይኖም፡ ፓምፐር ብልምዲ (diaper) ክቕይረሎም ከለኹ፡ እታ ፓሲፋየር (መደናገሪት ጡጦ) ኣብ ኣፎም እንተ ዘይወቲፍካሎም፡ እንታይ ትገብረሎም ከም ዘለኻ ስለ ዘይፈልጡ፡ ዝበኽዩዎ ጉድ’ዩ። እቲ ንሓደ ወላዲ ምንጪ ወይ ኣቦ ዘብሎ ናይ መጀመርታ ተግባራት እዚ እዩ። ኣቦ ብብዙሕ መገድታት እኳ፡ ኣቦ ክኾነካ ዝግብኦ እንተ ዀነ እንተ ወሓደ ኣብዘን ስዒበን ዝጠቕሰን ዘይርከበልካ ኣቦ ግን ዳርጋ የለን።
ናይ ገዛ ወጻኢታት ከም ማይ፡ መብራህቲ፡ ቴሌፎን፡ ሞባይል፡ መጓዓዝያ (ታክሲ፡ ኣውቶቡስ፡ ሚኒባስ ወዘተ) ብዘይካ’ዚ፡ መግቢ ካብ ባኒ፡ ቅጫ ጀሚርካ ኩሉ ዓይነት ሓርጭ፡ ኩሉ ዓይነት ኣእካል፡ ኩሉ ዓይነት ጥረታት፡ ኩሉ ዓይነት ኣሕምልቲ፡ ኩሉ ዓይነት ፍረታት፡ ጸባን ውጽኢት ጸባን፡ ስጋን ውጽኢቱን፡ ኩሉ ዓይነት ፓስታን ሩዝን፡ ወዘተ። ኩሉ ዓይነት ፈሳስን ደረቕን ሳምና፡ ፈሓም፡ ላምባ፡ ጋዝ። ኩሉ ዓይነት ዘይቲ ናይ ርእሲ፡ ናይ ብልዒ። ናይ ስድራ ሙሉእ ናይ ሕክምናን ክታበታትን ወጻኢታት። ናይ ትምህርትን መጻሕፍትን ወጻኢታት። ወርሓዊ ክራይ ገዛን ክዳውንትን። ናይ ጁባ ንነፍሲወከፍ ኣባል ስድራ ወዘተ፡ በብሓደ ምዝርዛሩ ብዙሕ እዩ። ግን ዝበዛሕና ክሳብ ክንደይ ከም እነህልኽ ኣይርደኣናን እዩ። ግቡኡ ድዩ ክገብሮ፧ እወ ግቡኡ’ዩ ግን ዝኸፍሎ ዋጋ ኣዝዩ ከቢድ እዩ። ዝፈልጠሉን ዝርደኣሉን ይደሊ።
ካብዚ ዝሓለፈ ክገብር ዝኽእል ንፉዕ ኣቦ እንተ ዀይኑ ኸኣ፡ ይምዕደካ፡ ይኣልየካ፡ ይምርቐካ፡ ይገንሓካ፡ ይግስጸካ፡ ይቐጽዓካ፡ ወዘተ። እዚ ክኸውን ከሎ ቆልዓ እንተ ዀንካ ወይ ናይ ቆልዓ ኣተሓሳስባ እንተለካ፡ ወይ ተጉረምርም፡ ወይ ትበኪ፡ ወይ (ከም ገሊኦም) ፋራ ኰይኑ ይስመዓካ፡ ወዘተ። እንተ ነፊዕካ ዋላ 10% ቅኑዕ ይኹን፡ ካብ ኣቦኻ እተን ዘድልያኻ ጥራይ ወሲድካ ነቲ ዘየድልየካ ደኣ ግደፎ እምበር፡ ኣቦኻ ብኹሉ ሸነኹ ካባኻ ንላዕሊ ደኣምበር ካባኻ ንታሕቲ ክኸውን ስለ ዘይክእል ኣይትንዓቆ፡ ኣይተጉረምርመሉ፡ ኣይተማርረሉ። ብዘይካ’ዚ እንታይዶ ጌሩለይ’ዩ፧ እዚ ኹሉ ክጭነቕን እዚ ኹሉ መከራ ክሓልፍን ኣቦይ ኣበይዶ ነይሩ’ዩ፧ ትብል እንተሊኻ፡ ኣቦኻ ንዓኻን ነሕዋትካን ነዴኻን ክጥዕመኩም ህይወቱ ኣብ ሓደጋ ኣእትዩ፡ ካብ 8-12 ሰዓት ኣብ መዓልቲ እናሰርሐ፡ ንባዕሉ እኳ ሙሉእ ከብዱ ከይሓደረ፡ ደቁን ሰበይቱን ክጸግቡሉ ዝተግህ ፍጥረት እዩ። ስለዚ ኣቦ፡ ምንጪ ህላውነትካ፡ ምንጪ ዕብየትካ፡ ምንጪ ዓወታትካን ክብርኻን እዩ።
ሓደራኹም ኣቦ ዓቕሚ ይሃልዎ ኣይሃልዎ ብዘየገድስ ክቡር’ዩ። ህይወቱ ኣዝያ ሓጻር’ያ። ነዛ ሓጻር ህይወት ዝበዝሐ ክፋላ ንስድራኡ እዩ ዝውፍያ። ንባዕሉ ጥራይ ወፍዩዋ ኣይፈልጥን’ዩ። ድኻ ይኹን ሃብታም፡ ኣቦ ካባኻ ዝደልየን ክልተ ነገር እየን። ኣዝየን ቀለልትን ብዘይ ዝኾነ ዋጋ ምኽፋል ክትገብረን ትኽእል ከኣ እየን። ፍቕርን ኣኽብሮትን። እዚአን ሓይሉ ስለ ዝኾና፡ ካልእ ካብ ቤቱ ዝደልዮ የብሉን። እዚ እንተ ገበርካ እናማዕበለውን እንተ ኸይዱ ኣቦኻ ግቡእ ቦታኡ ሒዙ ክትርእዮ ኢኻ። ብፍላይ መንእሰያት ምስ ኣቦኹም ዘለኩም ምሕዝነት ናብ ንቡር ክትመልሱን ክትጥቀሙሉን ደጊመ ሓደራ እብል። በዚ ጉዳይ እቲ ቀዳማይ ዝሕጎስን ዝጥቀምን ባህ እናበሎ ዝነብርን ንስኻትኩም ኢኹም’ሞ ተጠቐሙሉ። ሰላም!