You are currently viewing 0001 ኣዝማሪኖ ዝብል ስም ብኸመይ ተበጊሱ

0001 ኣዝማሪኖ ዝብል ስም ብኸመይ ተበጊሱ

መጀመርታ ኣዝማሪኖ ዝብል ቃል ብኸመይ ከም ዝተበገሰን ኣብዚ ሕጂ እዋንከ መን’ዩ ኣዝማሪኖ፧ ዝብል ሕቶ ንኹሉ ሰብ ንጹር ብዝኾነ መገዲ ክምለሰሉ ክኽእል ኣለዎ። ኣዝማሪኖ ዝብል ስም ንመን ይምልከት ብብዙሕ ሸነኻቱ ብዙሕ መግለጺታት ክግበረሉ እኳ እንተ ጸንሐ፡ እቲ መበገሲ ናይቲ ቃል ከይፈለጥካ ናይ ባዕልኻ መግለጺ ምሃብ ግን ምስ ዕሽነት ክቑጸር ስለ ዝኽእል እየ እዚ ብመጽናዕቲ ዝተሰነየ መበገስን መንነት ኣዝማሪኖን ሒዘ መጺአ ዘለኹ።

እዚ ስም’ዚ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ዋናታቱ እናቐያየረ ስለ ዝመጸ፡ ‘እዚ ጥራይ እዩ ኣዝማሪኖ፡’ ኢልካ መደምደምታ ክግበረሉ ዝኽእል ስም ኣይኮነን። ኣብ ግዜ መግዛእቲ ጣልያን ንኣብነት፡ ናብ ኤርትራ ተመዲቦም ዝመጹ ኢጣልያዉያን ወተሃደራት፡ ብፍሉይ ስራሕ፡ ሒደት፡ ኣብ በረኻታትን ዓድታትን ዝተመደቡ ገዲፍካ፡ ኣብ ከተማታት እዮም ዝምደቡ ነይሮም። ዝበዝሑ ወተሃደራትን ኣመሓደርትን ኣብ ባጽዕ፡ ኣብ ደቀምሓረ፡ ኣብ ኣስመራ፡ ኣብ መንደፈራ ወዘተ እዮም ተመዲቦም ነይሮም። እዞም ኢጣልያውያን ገዛእቲ፡ ብዝኾነ ምኽንያት ካብን ናብን ክንቀሳቀሱ እንከለዉ ብመልክዖም ምስ ሓበሻ ስለ ዘይመሳሰሉ ዝነበሩ፡ “ኣበይ ኢኻ ተመዲብካ ዘለኻ፧” ተበሃሂሎም ይተሓታተቱ እሞ፡ እቲ ኣብ ባጽዕ ዝተመደበ ማሳዊኖ ይብል፡ እቲ ኣብ ደቀምሓረ ዝተመደበ ደከምሃሪኖ ይብል፡ እቲ ኣብ መንደፈራ ዝተመደበ ኸኣ መንደፈሪኖ ይብል፡ እቲ ኣብ ኣስመራ ዝተመደበ ኸኣ ኣስማሪኖ፡ እዮም ዝበሃሃሉ ነይሮም። እታ ኣዝማሪኖ ትብል መጸውዒት እምበኣር ካብዚኣ ኣስማሪኖ ትብል ቃል ዝረዓመት እያ።

ኣብዚ እንተ ኣስተብሂልና፡ እቶም ኣብ ነፍሲወከፍ ከተማ ዝተመደቡ ኢጣልያውያን መጻእተኛታት’ዮም ነይሮም። ስለዚ በቲ እዋን’ቲ፡ እዛ ስም ነቲ ኣብ ኣስመራ ዝነበረ ሓበሻ ኣይትምልከትን እያ ነይራ ማለት’ዩ። ኣዝማሪኖ ዝብል መጸውዒ ሎሚ ኣብ ኢጣልያውያን ዘይኮነ ኣብ ሓበሻ – ኣብ ኣስመራ ንዝቕመጡ ሰባት እዩ ከም መጸውዒ ኰይኑ ኩሉ ሰብ ዝጥቀመሉ ዘሎ። ከመይ ኢሉ እዩ ነዞም ደቀ’ስመራ መጸውዒ ተዋሂቡዎም እንተ ኢልና ኸኣ፡ ብፍላይ ድሕሪ መግዛእቲ ኢጣልያ ብዙሕ ሰብ እዩ ካብ ከባቢ ኣስመራን ካልኦት ከተማታትን ዓድታትን ኤርትራ ናብ ኣስመራ ክውሕዝ ጀሚሩ፡ እዞም በቲ እዋን ዝነበሩ መበቆላውያን ደቂ ኣስመራ ነቶም ካብ ካልእ ከተማታትን ዓድታትን ኤርትራ ዝመጹ እሞ ኣብ ኣስመራ ዝሰፍሩ ዝነበሩ፡ ‘እንታይ ንበሎም፡’ ተበሃሂሎም ዝሃብዎም ስም እዩ። ምኽንያቱ ልክዕ ከም ኢጣልያውያን ካብ ካልእ ዓዲ መጺኦም እዮም ኣብ ኣስመራ ዝሰፍሩ ነይሮም። ንነዊሕ ዓመታት ከኣ ከምኡ ኢሉ ጸንሐ። ንኣብነት ንዓይ ኣብሓጎይ ሓደ ካብቶም ኣብ ንኡስ ዕድሚኦም፡ ናብ ኣስመራ ዝመጸ፡ ‘ኣዝማሪኖ፡’ ዝተጸውዐ ኰተቴ እዩ ነይሩ።

ኣብዚ እዋን’ዚኸ ከመይ ኢሉ እዩ ኣዝማሪኖ ዝብል መጸውዒ ኣብ ደቂ ኣስመራ ዘገልግል ዘሎ፧ ዝብል ሕቶ ክለዓል ይኽእል’ዩ። ነቶም ኣብ ናይ 20 ክፍለ ዘመን ኣብ 30ታትን 40ታትን ዓመተ ምህረት ዝነበሩ ኣዝማሪኖታት ደቆምን ደቂ ደቆምን ነቲ ስም ክዕቅብዎ ንዝኸኣሉ ጥራይ ደኣምበር፡ ብስም ደቂ ኣስመራ ተባሂሎም ዝወሃቦም ስም ኣይኮነን። ምኽንያቱ ሎሚ እዚ ስም’ዚ መዓርግ እዩ ኰይኑ ዘሎ። ሎሚ፡ ሓደ ሰብ ወዲ ኣስመራ ክበሃል እንተ ዀይኑ፡ ኣብ ኣስመራ ተወሊዱ ዝዓበየ ክኸውን ኣለዎ። ዝኾነ ሰብ ኣብ ካልእ ከተማታት ይኹን ዓድታት ተወሊዱ፡ ንእሽቶ ምስ ዓኾኸ ናብ ኣስመራ እንተ መጺኡ እሞ ኣብኣ እንተ ዓብዩ፡ (ኣይትሓዙለይ) ወዲ ኣስመራ ኣይኮነን። ከምኡ ኣብ ከረን ተወሊዱ ዝዓበየ ኸኣ ወዲ ከረን ይበሃል ማለት’ዩ። ሓደ ኩሉ ክፈልጦ ዘለዎ ሓቂ ግን ኣሎ፡ ‘ሎሚ ብዘይካ ውሑዳት ደቀባት ኩሎም ደቂ ኣስመራ፡ ንሳቶም ዋላ ኣብ ኣስመራ ይወለዱ፡ ወለዶም ወይ ኣቦሓጎታቶም ናብ ኣስመራ መጺኦም ዝሰፈሩ እምበር መበቆላውያን ደቀ’ስመራ ኣዝዮም ሒደት እዮም።

ብዘይካ’ዚ ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣዝማሪኖ መን’ዩ ኢልካ እንተ ሓቲትካዮም፡ “ኣዝማሪኖ ማለት ብውልቁ ይኹን ብግሩፕ ተባኣሳይ፡ ብሓሶት ሰማይን ምድርን ኣላጊቡ ዘእምን፡ ናይ ጁባ፡ ናይ መኪና፡ ናይ ገዛ መለዓሊ፡ ብስርቂ ምድሪ ዘጸልመታ፡ ሰለስተ ኣርባዕተ ኣዋልድ ዘውጽእ፡ ኣዝዩ ሰታይ ካብ ምዃኑ ዝተላዕለ ካብ ንጉሆ ክሳብ ምሸት ኣብ እንዳመስተ ተኣሊኹ ዝውዕል፡ ብቑማር ዝተፈልጠ፡ ብኽሲ ዝተፈላለየ ገበናት ኩሉ ቤት ማእሰርቲ ዝበጽሖ፡ እዩ፡ ኩለን ባራት ናይ ኣስመራን ኩለን ናይ ለይታዊ ትልሂታት ኣደራሻትን ዝፈልጥ ማለት’ዩ፡” ኢሎም ዝምልሱ ብዙሓት ሽዮም። ከምዚ ኰይኑ ዝስምዖም ሰባት፡ ደቂ ኣስመራ ይኹኑ ኣብ ካልእ ዓዲ ወይ ከተማ ዝቕመጡ፡ ኣተሓሳስባኦም ከመዓራርዩ እምሕጸን። ናይ ሎምዘበን ኣዝማሪኖ እዚ ኣይኮነን። እቲ መጸውዒ ዋናታቱ ቀይሩ ብሓድሽ መልክዕ ካብ ዝሕዝ ልዕሊ 40 ዓመት ኣቑጺሩ ኣሎ። ናይ መወዳእታ መልክዑ ስለ ዝኾነ ንሓዋሩ ዘይቅየር ስም እዩ።

ክልተ ዓይነት ደቀ’ስመራ እዮም ዘለዉ። እቲ ቀዳማይ ኣብ ኣስመራ ተወሊዱ ክነሱ፡ ፈጺሙ ናይ ኣስመራ ዘይብሉ ፋራ እዩ። እቲ ካልኣይ ከኣ ወደ’ስመራን ኣዝማሪኖን እዩ። እቲ ፋራ ዝብል ቃል ብሃገረሰብ ዝብል ቃል ተኪኡ ኣብ ዘይቦትኡ ዘእትዎ ሰብ ዋላ ወደ’ስመራ ይኹን ንሱ ንባዕሉ ፋራ እዩ። ካልኣይ፡ ኩሉ ወዲ ኣሰመራ፡ ኣዝማሪኖ ኰይኑ ዝስምዖ ሰብ ካብ ሎሚ ጀሚሩ ኣተሓሳስባኡ ከመዓራሪ ይምሕጸን። ኩሉ ወዲ ኣስመራ ኣዝማሪኖ ኣይኮነን። ናይዚ እዋን ኣዝማሪኖ መግለጺኡ ኣዝዩ ሰፊሕ ስለ ዝኾነ ኣብ ዝቕጽል ናይዚ ገጽ ዘሎ መልእኽቲ (0002) ማለት፡ “ኣብዚ እዋን’ዚ መለለዪ ናዝማሪኖ እንታይ’ዩ፧” ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ ቀጺሉ ተዘርዚሩ ኣሎ።

Leave a Reply