You are currently viewing 0002 ሽሻይካ ወይ በረኸትካ ምስቲ ትዂስትሮ ዘለኻ ጓሓፍ ስለ ‘ዝኸይድ ምሸት፡ ቤት ምኹስታር ነውሪ’ዩ!’

0002 ሽሻይካ ወይ በረኸትካ ምስቲ ትዂስትሮ ዘለኻ ጓሓፍ ስለ ‘ዝኸይድ ምሸት፡ ቤት ምኹስታር ነውሪ’ዩ!’

በረኸትካ (እንጌራኻ) ካባኻ ይኸይድ፧ ሽሻይ ቤትን ምዂስታርን እንታይ ኣራኺብዎ፧ ንሱ ድዩ እቲ ልክዕ መልሲ፧ ኣይኰነን! ከምቲ ኣቐዲመ ኣብ መእተዊ ዝበልክዎ፡ እቶም ሽማግለታትን መራሕቲ ሃይማንኖትን ኣዝዮም ተሰማዕቲ እዮም ነይሮም። ስለዚ እዮም ብዓበይቲ ገይሮም ክብድ ዝበለ ቃላት ተጠቒሞም ነቲ ክመጽእ ዝኽእል ሳዕቤን ዝከላኸሉ ነይሮም።

ኣብ ዝበዝሐ ገዛ ጎርዞ ጓል እያ ናይ ቤት ስራሕ ትሰርሕ ነይራ። ንኣብነት ምሸት ምድሪ ክትኲስትር ኢላ ምስ ትጅምር እሞ ዓበይቲ ኣቦታት ይኹኑ ኣዴታት፡ ‘ምሸት ምኹስታር ነውሪ እዩ’ እንተ ኢሎማ፡ ንሶም ዘስተውዓልዎ ሕማቕ ሳዕቤን ስለ ዘሎ ምኹስታር ከተቋርጽ ጥራይ እዩ ዘለዋ። ኮተቴ (ጎርዞ) ኸኣ ብባህሪኣ ዘበገሰታ ስራሕ ክትገብራ ጥራይ ስለ ትደሊ፡ እቲ ልክዕ መመኽነይታ እንተ ነጊሮማ፡ ‘ደሓን፡ ምድሪ-ቤት ረሲሑ ስለ ዘሎ ተጠንቂቐ እናረኹ ክኹስትር እየ፡’ ክትብሎም ዘሎ ተኽእሎ ዓብዪ እዩ። ክትዕ ክኸውን’ዩ፡ ዘይምርድዳእ ክመጽእ እዩ። ካብዚ ኹሉ ሸንኮለል ንምግልጋል ጥበብ ክጥቀሙ ብግዲ እዩ። እቲ ጥበብ ከኣ እቲ ንሰብ ቀንዲ ዘፍርሆ እንታይ እዩ ኢሎም እዮም ዝዛረቡዎ። ንኣብነት ኣብዚ ጉዳይ ነታ ክትኩስትር ትቀራረብ ዘላ ጎርዞ፡ ‘ሽሻይና ክውሰድ እዩ!’ ክብልዋ ኣለዎም። ሽሻዩ ክምንጠል ዝደሊ ሰብ ከኣ የለን። ጽቡቕ ተሰማዕነት ስለ ዝነበሮም፡ በዚ ፈሪሃ ነቲ ክትኩስትሮ ዝሓሰበት ከም ዘለዎ ትሓድጎ።

ገለ ገለ ጥበበኛታት ጸሓይ ከይዓረበት ቀልጢፈን ምድሪ ቤተን ከጽርያ ዝደልያ ዝነበራ ኣሓት ግን፡ ‘መስፈ ሓራስ ጠፊኡኒ፡’ እናበላ ኣብ ኣጋ ጸሓይ ዕራብ ይኹስትራ ከም ዝነበራ ኣቦታት የዘንትዉ። እዛ መስፈ ሓራስ ጠፊኡኒ እትብል መመኽነይታ ብኽልተ መገዲ ተቐባልነት ነይሩዋ። ሓደ፡ ጸሓይ ዕራርቦ ብምዃኑ ሙሉእ ብሙሉእ ስለ ዘይጽልምት፡ እንታይ ይኹስትራ ኣለዋ ስለ ዝርእያ፡ ደሓን ኢሎም ሸለል ይብልወን ነይሮም። ካልኣይ ከኣ ሓራስ ክብርትን ኩሉ ዓይነት ምክንኻናት ክግበረላ ዘለዎ ሰብ ስለ ዝኾነትን እታ ምኽኒተን ቅብልቲ ትኸውን ነይራ። እዚ ክትኩስትር ግድን እንተ ዀይኑ ጥራይ እዩ ቅቡል ዝኸውን፡ በረኸትካ ኸኣ ኣይውሰደልካን እዩ ይብሉዎ ነይሮም።

እቲ እቶም ኣቦታት ዝፈልጥዎ ሓቂ ግን እዚ እዩ፡ ብግዜ ምሸት ዝበርህ ዝነበረ ብርሃን ናይ ቀንዴል ወይ እንተ ተረኺቡ ኸኣ ሽምዓን ጥዋፍን ጥራይ እዩ ነይሩ። ከምዚ ሕጂ ብኹሉ ሸነኻት ዓለም ብሓይሊ ኤሌክትሪክን ጸሓያዊ ጸዓትን ካልእን ዝምንጩ ብርቱዕ ብርሃን (ኣምፑላት) ስለ ዘይነበረ፡ ኣብ ምድሪ ቤት ዝወደቐ ደቀቕትን ክቡር ኣቕሓን ከም ዑንቊታት፡ ወርቂ፡ ብሩር፡ ነሓስ፡ ወዘተ ክትርኢ ስለ ዘይከኣል ምሸት ምኹስታር ኣይምረጽን እዩ ነይሩ። እዚ መመኽነይታ ግን ኣብቲ ኤሌክትሪክ ዘይነበረሉ ግዜ ነተን ሓደስቲ ጐራዙ ከረድአን ስለ ዝይክእል፡ ተሓቢአን ክኹስትራ ስለ ዝኽእላ፡ ምሸት ምኹስታር ነውሪ እዩ፡ ሽሻይና ከይውሰድ ሕደጊ ምባል ጥራይ እዩ ከስግሮም ዝኽእል ነይሩ።

ብግዜ ምሸት ምዂስታር ካልእ ሽግርውን ኔርዎ እዩ። እቲ ምድሪ ቤት ሓመድ ስለ ዝነበረ፡ እቲ በለል ዝብል ደሮና፡ መንገፍ ኰይኑ ኣብ ዓይንኻ እንተ ኣትዩካ እታ ዝነበረት ከም መብራህቲ ኰይና ተገልግል ዝነበረት ቀንዴል ነቲ ኣብ ዓይኒ ዝኣተወ ገፈል ከተርኢ ስለ ዘይትኽእል ዝነበረት እቲ ምኹስታር፡ ‘ነውሪ’ዩ፡’ ኢልካ ምቁራጽ ጥራይ እዩ መፍትሒ ዝኸውን ዝነበረ። ካልእ ምኽንያት እንተ ነይሩዎም ከኣ ኣብ ቦታ ርእይቶ (comment) ጸሓፉለይ። ሰላም!

Leave a Reply