You are currently viewing 0001 ነውሪታትን ጥበባቶምን መእተዊ

0001 ነውሪታትን ጥበባቶምን መእተዊ

ወለድና ኣዝዮም በላሕትን ጥበበኛታትን ስለ ዝነበሩ፡ ኣብቲ ግዜ ጥንቲ ንዘጋጥሞም ዝነበረ ሽግር በእምሮ፡ ብትምህርቲ፡ ብፍልጠት ክበጽሕዎ ንዘይከኣሉ፡ ምስጢሩ ከቢድ ዝነበረ ጉዳያት (ፍጻሜታት) መንፈሳዊ ስእሊን ምስ ሓደጋን ሞትን ሕማምን እና’ተሓሓዙ እዮም ነቲ ሰብ ተገዲሱ ክገብርን ክሓድግን ዝገብርዎ ነይሮም። በዚ ኸኣ ነቲ ክበጽሕዎ ዘይክእሉ ዘጋጥሞም ዝነበረን ነቲ ኣብ ኩሉ ደረጃ ዕድመ ዝነበሩ፡ ‘እዚ እንተ ገይሮም ከምዚ ዓይነት ጥፍኣት ወይ ዕንወት ወይ ሕማም ወዘተ ከምጽእ ይኽእል እዩ፡’ ዝበሉዎ፡ ካብ ተመኲሮኦም ተበጊሶም፡ “ነውሪ’ዩ!” ኢሎም እዮም ዝሓልፍዎ ነይሮም።

ነውሪ እዩ ክበሃሉ ከለዉ፡ ‘እንታይ እዩ እቲ ነውሪ ዝገብሮ፡ ኣነጽሩልና ዝብሉ ሓተትቲ ኣይነበሩን ማለት ኣይኮነን፡’ ግን እቶም ሽዑ ዝነበሩ ሒደት ሓተትቲ፡ ስለምንታይ ኢሎም ምስ ሓተቱ፡ በቲ ሓደ ወገን ስነ ፍልጠታውን ሓቂን ዝኾነ መርትዖታት ከቕርቡ ፍልጠት ይጎድሎም ስለ ዝነበሩ ‘ነውሪ እዩ፡’ ኢሎም ንዕኦም ዝምችኦም ኣብ ብዙሕ ዓድታት ከኣ ተቐባልነት ዘለዎ መንፈሳዊ ወይ ዝኾነ ንኽጥንቀቑ ይገብሮም እዩ ዝበልዎ መመኽነይታ ጥራይ እዮም ዝህቡ ነይሮም። በቲ ካልኣይ ወገን ከኣ እቲ ጉዳይ ምስ ኣጋጠመ፡ እቲ መረዳእታን ከኸትል ዝኽእል ሳዕቤንን ፍዂስ ኢሉ ስለ ዝርአ ዝነበረ፡ ክኸብድ እንተ ዀይኑ፡ ምስ ሞት ካብ ቤተ ሰብካን፡ ምስ ከበድቲ ሓማማትን እናተሓሓዝካ ነቶም ሰባት ነውሪ እዩ ኢልካ መንፈሳዊ ከም ዝኾነ ከተረድኦም እዩ ዝበልጽ ነይሩ። እዚ ጥበብ’ዚ ነቲ ዝነበርዎ ዘመን ኣሳጊሩዎም እዩ።

እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት፡ ኣብቲ ዘመን ብንእሽቶኻ እንከለኻ፡ ኩሉ ወለድኻን ዓበይቲ ኣሕዋትካን ዝበሉኻ ብዘይ ዝኾነ ምጥርጣርን ብዘይ ዝኾነ ሕቶን ኢኻ ትቕበሎ። ኩሉ ኸኣ ሓቂ ኰይኑ እዩ ዝስመዓካ። ብፍላይ ምስ ህይወትካ፡ ጥዕናኻ፡ ሓይልኻ ስድራቤትካ ወዘተ ዝተሓሓዝ ክብድ ዝበለ ነገር ክዛረቡኻ እንከለዉ ምስቲ ትስንብዶ ኣተሓሒዝካ ሓቂ’ዩ ኢልካ ኢኻ ትቕበሎ። ኣይተማህሩን ግን ናይ ምሁራት ስራሕ ይሰርሑ ነይሮም። ወለድና ብተመኲሮኦምን ንዕኦምውን ወለዶም ብዘውረስዎም ብልሕን ጥበብን ሊቃውንቲ ኰይኖም እዮም ዝነብሩ ነይሮም።

ሕጂ ኩሉ ስነ ፍልጠታዊ መልክዕ ሒዙ ነናቱ መርትዖታት ብዘለዎ መገዲ ከነረድኣሉ ንኽእል ግዜ ስለ ዝበጻሕና፡ ንኹሉ ኣብ ሕብረተሰብናን ካልእን ዝነበረ ነውሪ ተባሂሉ ዝስገር ዝነበረ ኣሉታዊ ሳዕቤን ዘስዕብ ግብርታት መልሲ ተረኺቡሉ ኣሎ። ኣብ ዘመንና እኳ ዘርከብናሉ፡ ኣዝዩ ብግዜኡ ጽቡቕ ዝጠቕሞም ዝነበረ ናይ ሕብረተሰብና ረቀቕቲ ፍልስፍናታት መምስ ስነፍልጠታዊ ሓቅነቱ (መግለጺኡ) ሓደ ብሓደ ኣብዛ ገጽ ከስዕበልኩም እየ። ሰላም!

Leave a Reply