You are currently viewing 0006 ብሓቂ ሰብኣይ ማለት!

0006 ብሓቂ ሰብኣይ ማለት!

ዮሴፍ፡ ገዝኡ እትው ክብልን፡ ዘይከም ቀደማ ሳራ ሰበይቱ ገጻ ተጸዋዊጉ ክርእያን ሓደ ኰነ። ኣዝያ ሓሪቓ ከም ዘላ ዘርኢ ምልክታት ይንበባ ነበረ። ንኹሉ ትሕዞ ዘበለ ብሓርቖት እናላዓዓለት፡ ኣስናና እናሓራቐመት ዘይርጉእነት ከም ዘለዋ እናርኣየት እንከላ፡ “ከመይ ውዒልኪ ፍቕረይ፧” ኢሉ፡ ኣብ ኢዱ ሒዝዎ ዝነበረ መጽሄትን መፍትሑን ተሓንጊጥዎ ዝነበረ ቦርሳን ኣብ ጣውላ ኣቐመጠ። ንሳ ድማ ጫማኣ እናውጽአት፡ ብኣዝዩ ዘይንጹር ቃና፡ “ሰላም፡” በለቶ። “ሕጂ ዲኺ ደኣ ኣቲኺ፧” እንታይ ከም ዝኾነት ክፈልጥ፡ መእተዊ ዕላል ዝኾኖ ሕቶ ሓተታ። “እወ።” ሓጺር መልሲ መለሰትሉ። “ቆልዑትከ ደኣ፧” ሕቶኡ ቀጸለ። ናይ ገዛ ጫማ እናቀየረት፡ ከም ቁጥዕ ኢላ፡ “ኣብ መደቀሲ ክፍሎም ክዳውንቶም ይቕይሩ’ለዉ።” በለቶ።

“ደሓን ዲኺ ደኣ፧” ክብል ካልእ ሕቶ ኣስዓበላ። “ደሓን’የ!” ኢላቶ ናብ ክሽነ ተበገሰት። ዮሴፍ ግን ናብኣ ቅርብ ኢሉ፡ ኣእዳዋ እናጨባበጠ፡ “ኖኖእ፡ ደሓንሲ ኣይኮንክን። እንታይ ኢኺ ኰንኪ’ንዶ ንገርኒ፧” በላ ብትሑት ድምጺ። “ኡፍፍፍ፡ ጀሚርካ ኸኣ፡ ንስኻን እቶም ዘይውድኡ ሕቶታትካን! ሙሉእ መዓልቲ ሕማቕ ስለ ዝወዓልኩ፡ ሕጂ ኩሉ ክገልጸልካ ኣይክእልን’የ፡ ብጃኻ ግደፈኒ ድራር ከዳሉ።” በለቶ ግጻ እናጸዋወገት። ኢዳ ስሒባ፡ ናብ ክሽነ ኣትያ፡ ዝረስሐ ኣቑሑ ናብቲ መሕጸቢ ኣቑሑ ክሽነ ከተእቱ ጀመረት። ንሱ ኸኣ ምሸቱ ተደፊኣ ከይተምሲ ብምስጋእ፡ ኣብ ክሽነ ኣትዩ፡ ደጊሙ፡ “እንታይ ትገብሪ ኣለኺ፧ መግቢ ክትሰርሒ፧” ኢሉ ካልእ ርዱእ ዝመልሱ ሕቶ ሓተታ። ንሳውን ብወገና ብሕርቃን፡ “እንታይ ዝገብር ዘለኹ’መስል፧ እንታይ ኢኻ ቆልዓ ዘይሓቶ ሕቶ ትሓትት፧” ኢላ ንሕቶኡ ብሕቶ መለሰትሉ።

ሕጂውን ደጊሙ ኣእዳዋ ብምጭባጥ፡ ህድእ ኢሉ፡ “ሓንሳብ፡ ንሱ ግደፍዮ’ሞ፡ ንዒ ናብ መደቀሲና ክፍሊ ንእቶ።” በላ። ሒዝዋ ዘሎ ኢዱ ክፍንዋ እናተጋደለት “ኣንታ ኣይርደኣካን ድዩ፧ መስዩ እናረኣኻዮ፧ ግዜ የብለይን፡ ቆልዑ ከይተደረሩ ክድቅሱኒ’ዮም፡ ከይተታኸሱ ከዳርሮም ኣለኒ።” ናይ ድኻምን ምስልቻውን ቃላታ ኣውሓዘትሉ። “በጃኺ፡ ሓንሳብ ንሓጺር ደቓይቕ እየ ደልየኪ።” ኢሉ ለመና። መብሰሊ ዝኾና ማይ ኣብ ምድጃ ሰኽቲታ፡ ካብ ከብሒ ናይ ክሽነ ሓደ ጎማ ፓስታ እናውጸአት፡ “ርክብ እንተ ዀይኑ ሕማቕ እየ ዘለኹ፡ በጃኻ ኩነታተይ ተረደኣለይ።” በለቶ። ሕጂውን ኢዱ ዘርጊሑ ኣእዳዋ ብፍቓዳ ክትህቦ’ሞ፡ ተተሓሒዞም ናብ መደቀሲ ክፍሊ ክኣትዉ ምልክት እናርኣያ፡ “ይርደኣኒ’ዩ፡ ግን በጃኺ!፧” ብምባል ደጊሙ ለመና። ከም ዘይገድፋ ስለ ዝተረደኣ፡ ደስ ከይበላ ኢዳ ዘርግሓትሉ። ንሱ ግን ኣእዳዋ ሓዲጉ፡ ኣእዳዉ ብሽምጣ ኣሕሊፉ ሓቚፍዋ፡ ጽቡቕ ፍሽኽታ ካብ ገጹ እናለገሰ፡ ሒዝዋ ናብ መደቀሲ ክፍሎም ኣተዉ’ሞ፡ መደቀሲ ክፍሎም ብውሽጢ ዓጸዎ።

ኣብ መደቀሲ ክፍሎም ዝነበረ መንጸፍ ናይ ምድሪ ኣመዓራርዩ፡ “ሳሪየ ብጣዕሚ እንድየ ዘፍቅረኪ! ምኽንያቱ ብዘየገድስ፡ ከምዚ ኢልኪ ሓሪቕኪ ክርእየኪ ኣይደሊን’የ፡ ንንበርከኽ’ሞ ንእሽተይ ንጸሊ፧” በላ። ሕጂውን ባህ ከይበላ፡ ክልቲኦም ኣብ ምድሪ ተንበርኪኾም ክጽልዩ ጀመሩ። ዮሴፍ ንጸሎቶም ብመዝሙር ስለ ዝጀመሮ፡ ድሕሪ ሒደት ካልኢታት፡ ንሳ ድማ ተሓዊሳ ነቲ መዝሙር መቐረት ወሰኸትሉ። ጽንሕ ኢሎም ከኣ በብመገዶም ኣፎም ከፊቶም፡ ናብ ኣምላኽ ዝበጽሕ ሕሹኽታ ከስምዑ ጀመሩ። ብልባ ኣዒንታ ናብ እግዚኣብሄር ምስ ኣልዓለት፡ ንብዓታ ክትቆጻጸሮ ኣይከኣለትን፡ ብመዓጓጉርታ ወሪዱ ናብ ምድሪ ክነጥብ ካብ ዝጅምር ደቓይቕ ኰይኑ። ገጻ ደጋጊሙ ንየማነ ጸጋም ይብል ነበረ፡ ኣእዳዋ ንላዕሊ ኣልዒላ ካብ ልባ ዝነቐለ ኣምልኾ ንኣምላኽ ክትልግስ ጀመረት። ሳራ እዚ ኹሉ ክትገብር፡ ጆሲ ፈጺሙ ኣዒንቲ ስጋኡ ዓሚቱ፡ ኣዒንንቲ ልቡ ከፊቱ ናይ ሓጎስ መዝሙር ይዝምር ነበረ’ሞ፡ ኣብ መንጎ፡ “ሳሪየ፡ ሕጂ ብዛዕባ ዝወዓልክዮ ኩሉ ንኣምላኽ ንገርዮ።” ኢሉ ሕሹኽ በላ። ኣዒንታ ብዕሙቱ፡ ንብዓታ ምውሓዝ ከየቋረጸ፡ ከናፍራ ከፈተት፡ ሰብ ብዘይሰምዖ ድምጺ፡ ኩሉ እቲ ከዕብዳ ዝወዓለ ንእግዚኣብሄር ነገረቶ።

ድሕሪ ሒደት ደቓይቕ፡ ፍሽኽታ ናብ ገጻ ክምለስ ጀመረ። ኢድ ጆሲ ጨቢጣ ንሒደት ደቓይቕ ገጻ ብፍሽኽታ ተወረረ’ሞ፡ ጸጥ በለት። ብድሕሪ’ዚ፡ ነቲ ሰማያዊ ኣቦኣ እናመስገነት፡ ኣብ ቅድሚኡ ክትቀርብ ፍቓደኛ ስለ ዝኾነላን ከውሕን መናገፍን ምዃኑ እናተኣመነት። ጾራ ክወስደላ ኩሉ ግዜ ድሉው ስለ ዝኾነ ኣመስገነት። ስለ ሰብኣያ ድማ ብዙሕ ኣመስገነት፡ ከምዚ እናበለት፡ “ከምዚ ዝበለ ብሉጽ ሰብኣይ ስለ ዝሃብካኒ፡ ኣብ ከምዚ ዝበለ ኩነታት ክጽሊ ከም ዘለኒ ዘዘኻኽረኒ ሰብኣይ ስለ ዝሃብካኒ፡ ኣእምሮይ ብስራሕ ደገን ገዛን ክተሓዝ ከሎ ናባኻ ዘጠምተኒ ሰብኣይ ስለ ዝሃብካኒ፡ ብምድራዊ ነገራት ሸበድበድ ክብል ከለኹ ዝመልሰኒ ሰብኣይ ስለ ዝሃብካኒ፡ ናብ ፍቕርኻን ምሕረትካን ጸጋኻን ዝስሕበኒ ሰብኣይ ስለ ዝሃብካኒ የመስግነካ።” እናበለት ብዙሕ ጸሎት ኣዕረገት። ኣብዚውን ደው ኣይበለትን፡ ከምዚ እናበለት ከኣ ቀጸለት፡ “ኣቦየ፡ ከምዚ ኢለ እየ ናባኻ ክቐርብ ባህ ዝብለኒ፡ ከመይ ኣለኹ ብዘየገድስ ኩሉ ግዜ ገጽካ ክርኢን ስምካ ልዕል ከብልን ባህጊ’ለኒ። ኣቦየ፡ ናባኻ ክቐርብን ከምልኸካን ከለኹ’ዩ ጽቡቕ ዝስምዓኒ። ውሽጠይን ደገይን ስለ ዝለወጥካለይ ድማ ተመስገን። ሓይሊ ረኺበ፡ ትርኢት ገጸይ ተለዊጡ፡ ቃላት ልሳነይ ተቐይሩ፡ ፍርሃትን ስግኣትን ካባይ ሃዲሙ፡ ኩሉ ናብ ንቡር መሊስካለይ ኢኻ’ሞ ተመስገን። ነዛ ከምዚኣ ዝበለት ሰዓት ኩሉ ግዜ ክነቅሕ ርድኣኒ።” ኢላ ለመነትን ኣመስገነትን። ድሕሪ ሒደት ደቓይቕውን፡ ክትእመን ከም ዘለዋ ዘከረት’ሞ፡ ከምዚ በለት፡ “ዎ እግዚኣብሄር፡ ንጆሲየይ ስለ ዝደፈርክዎን ዘጉሃኹዎን ከኣ ይቕረ በለለይ። ስለይን ስለ ሓዳሩን እናሓለየ እንከሎ፡ ብሰንኪ ዘጋጠመኒ ውልቃዊ ጉዳያተይ ንዕኡውን ለኪመዮ እየ’ሞ ይቕረ በለለይ። ኣሜን!” ኢላ ጸሎታ ደምደመት’ሞ፡ ንሱ ኸኣ ኣልግብ ኣቢሉ፡ ምስ ጸሎታ ከም ዝሰመረ ንምርግጋጽ ናይ ሓጎስ ምልክት ፍሽኽ እናበለ፡ “ኣሜን!” በለ።

ኣዒንቶም ቋሕ ኢሎም ምስ ሙሉእ ፍሽኽታ ዓይኒ ንዓይኒ ተጠማመቱ። ኣብ ግምባራ ሰዓማ። ንሳ ግን ብእኣ ስለ ዘይዓገበት፡ ብርሱን ስምዒትን ባህ እናበላን ጽቡቕ ጌራ ሰዓመቶ። ብድሕርዚ፡ ብሕጉስ መንፈስ ዕላል ጀመሩ። ጆሲ ሑቖኡ ኣብ ዓራት ኣደጊፉ ኣብቲ ተንበርኪኾሙሉ ዝነበሩ መንጸፍ ሮፋዕ ኢሉ ኮፍ በለ፡ ሳራውን ብግዴኣ ኣብ መንጎ ኣእጋሩ ኣትያ ሕቖኣ ኣብ ከብዱ ተጐዝጒዛ ኮፍ በለት’ሞ ጸጉራ እናደረዘ ከምዚ ኢሉ ኣፉ ከፈተ፡ “ሳሪየ፡ ሓዳር ብዙሕ መማቕርቲ እዩ ዘለዎ፡ ሓደ ካብኡ ኸኣ እዚ ክንገብሮ ዝጸናሕና እዩ። ግን ሓደ ክትርስዕዮ ዘይብልኪ ነገር ኣሎ፡ ውረድ ደይብ ዘይብሉ ህይወት የለን። ንዓይ ክትነግርኒ ዝኸብደኪ እንተ ዀይኑ፡ ሓደራኺ፡ ንኣምላኽ ካብ ምንጋር ኣይትቆጠቢ። ንሱ ኩሉ ግዜ ጸብጻብ ናይ ዝወዓልክዮ ክሰምዕ ድሉውን ንቑሕን’ዩ። ቃላት ኣፍኪ ምስ ሓሳብ ልብኺ ተወሃሂዱ ናብኡ ካብ ምብጻሕ ኣይትኸልክልዮ።” በላ። ትሓቛቚፎም ከኣ ደቓይቕ ሓለፈ።

እቲ ኣብ መንጎኦም ዝነበረ ስቕታ ክስበር ዝደልዩ ኣይመስሉን’ዮም ነይሮም። ሳራ፡ ኣብ ሑቕፉ ተሸጒጣ እንከላ፡ ገጻ ጥውይ ኣቢላ፡ መዓልታ ሓደ ብሓደ ዘርዚራ ክትነግሮ ጀመረት። “ንጉሆ ምስ ማማ ተደዋዊልና ኔርና፡ ብዘይጠቅም ነገር ተቛይቓትኒ ከይተረዳዳእና ሞባይልና ዓጺና። እዚ ከይኣክል፡ ቆልዑ ትምህርቶም ኣብጺሐ፡ ንስራሕ እናኸድኩ እንከለኹ ኣብ መገዲ ሓደጋ መኪና ኣጋጢሙ፡ ተዓጺና ልዕሊ ሓደ ሰዓት ደው ኢልና፡ በዚ ምኽንያት ደንጉየ ስራሕ ኣትየ፡ ኣስራሒየይ ገጭገጭ እናበለ ተቐቢልኒ። ከረድኦ እንተ ፈተንኩ፡ ምርዳእ ኣቢኒ። እዚ ከይኣክል ኮነ ኢሉ ዘይተኣደነ ስራሕ ደርዲርለይ ጸኒሑ፡ እዚአን ወዲእክየን ወዓሊ ኢሉ ኣብ ጣውላይ ደርብዩለይ ከይዱ። ሓንቲ ወረቐት ጠፊኣትኒ፡ ሙሉእ መዓልቲ ኣብ ክንዲ ዝሰርሕ ነታ ዝጠፍኣትኒ ወረቐት ክደልትን ክጭነቕን ውዒለ። ጸብጻብ እቲ ኣብ ስራሕ ዝወዓልክዎ ደሓን ይትረፍካ፡ ንጸላኢኻ እኳ ኣይትምነዮ። ካብዚ ዝገደደ ክምለስ ከለኹ ኸኣ፡ ኣስቤዛ ንገዛ ዝኸውን ክገዝእ ኢለ ናብቲ ኩሉ ግዜ ንገዝኣሉ ድኳን ከይደ፡ ኣእምሮይ ስለ ዝተናወጽኩ፡ ዝደለኽዎ ጠፊእኒ ወጽየ ኣፍደገ ገዛና ምስ በጻሕኩ ዘኪረዮ፡ ካልኣይ ግዜ ተመሊሰ ናብቲ ድኳን ኣትየ ሃቡኒ እንተ በልክዎም ሕጂ ተወዲኡ ኢሎምኒ። ብዙሕ’ዩ በጃኻ። ብጣዕሚ እየ ሓሪቐን ተጨኒቐን ውዒለ። ብፍላይ ማማ ዝበለትንን እቲ ማናጀርና ዝገበረንን ዓጽሚ ዝሰብር ዘረባ’ዩ ነይሩ።…” ኢላ ዘረባኣ ከይወደአት፡ ጆሲ ናብ ደረቱ ኣልግብ ኣቢሉ ሓቖፋ’ሞ፡ ናብ ዝነበርዎ ጸጥታ ኣተዉ።

መንከሳ ኣብ ሞንኩቡ ኣተርኢሳ ኣእዳዋ ብኽሳዱ ኣሕሊፋ ጽቡቕ ገይራ ሓቖፈቶ። ደስ ኢልዋ ስለ ዝነበረ ከምኡ ኢሎም ክሓድሩውን ኣይምጸልአትን። ጆሲ ቆልዑ ድራር ይጽበዩ ከም ዘለዉ ከዘኻኽራ ኢሉ፡ ኣብ እዝና “በሊ ንዕናይ ክሽነ፡ ተሓጋጊዝና ድራርና ነዳሉ።” ኢሉ ሕሹኽ በላ። ካብ ምሒር ሓጎስ ዝተላዕለ፡ ረሲዓቶ ዝነበረት እያ ትመስል። ብድድ ኢላ ተንሲኣ፡ ኢድ ጆሲ ጨቢጣ ናብ ክሽነ ኣተዉ። እናተጻወቱን እናዕለሉን መግቢ ሰርሑ። ደቆም ከኣ ሰሓቕን ጸወታን ሰሚዖም፡ ካብ ዝነበርዎ ክፍሊ ወጺኦም ምስ ወለዶም ተሓወሱ። ኣብ ውሽጢ 20 ደቒቕ ንኹሎም ዝኸውን ድራር ተዳልዩ፡ ተቐራረበ። ብሓደ ከቢቦም ጸልዮም መኣዶም ባሪኾም፡ ስድራቤታዊ መኣዲ ደስ እናበሎም በልዑ። ኩሉ ክግበር ዘለዎ ገይሮም ብሰላምን ሓጎስን ነናብ መደቀሲኦም ኣምርሑ። ነታ ትመጽእ መዓልቲ ኸኣ እናሰሓቕዋ ደቀሱ።

ሞራል: ኣድህቦና፡ ካብ ኣምላኽ ከነዝብል ዝገብር ኩነታት ናይ ህይወት ብዙሕ’ዩ። ጸሎት ግን ዘይሰብሮ ተጽዕኖ የለን። ጭንቀጥናን ጸቕጢ ዝፈጥረልና ዘበለ ኹሉን ብተኣምራት ካብ ልዕሌና ክግፈፍ ከሎ እዩ ዘርእየና። እቲ ቓል ከምዚ ይብል፡ “ጾርካ ናብ እግዚኣብሄር ደርብዮ፡ ንሱ ኺድግፈካ’ዩ። ንጻድቕ ሰንከልከል ኪብል ከቶ ኣይሐድጎን።” (መዝ 55፡22) እቲ ንእግዜብሄር ዝፈልጥ ዘበለ ኹሉ፡ ምስኡ ዝዛረበሉ ግዜ ክህልዎ እንከሎ እዩ፡ ሰላምን ደሓንን ዝኾነሉ። እግዚኣብሄር ሓይልና’ዩ፡ ሓዳርና ልዕሊ እቲ በእምሮ እተመሓድሮ፡ ነቲ ናይ ኩሉ ኣመሓዳሪ ኣሕሊፍና ክንህቦ እንከለን’ዩ ዝጥዕመልና። ኣብ ተለዋዋጢ ኩነታት ናይ ህይወት ኣምላኽ ኣይልወጥን’ዩ። ክብሪ ንዕኡ ይኹን! ኣሜን!

Leave a Reply