You are currently viewing 0005 መጉባዕብዒ ኩሉ ግዜ ዝሓብኦ ጸልማት ህይወት ኣለዎ!

0005 መጉባዕብዒ ኩሉ ግዜ ዝሓብኦ ጸልማት ህይወት ኣለዎ!

ሓንቲ ደፋር ሰራሕተኛ ገዛ ንኣስራሒታ ደሞዝ ክትውስኸላ ትሓታ። ኣስራሒታ፡ ‘ስለምንታይ ደሞዝ ክውስኸኪ ከም ዘለኒ፡ ሰለስተ ብቑዕ ምኽንያት እንተ ነጊርክኒ ክውስኸኪ እየ፡’ ትብላ። ‘ሕራይ’ ኢላ ‘ዓምና ይቕሬታ ግበራለይ ደኣምበር፡ ካብ ናትክን ጸብሒ ንላዕሊ ኣነ ዘዳለኽዎ ይጥዕም!’ ትብላ። ኣስራሒት ትቕብል ኣቢላ “ናትኪ ከም ዝጥዕም ደኣ መን ነጊርኪ!” ትብላ ብምግራም። እታ ሰራሕተኛ ኸኣ “ዓምና ባዕሎም፡ ማለተይ ብዓል ቤትክን ነጊሮምኒ፡” በለታ።

ሽዑ እታ ሰበይቲ ብሓርቖት፡ “ሕራይ ከምኡዶ ኸኣ ኢልኪ፡ ንዓይ ደኣ መዓስ ኣመስጊንኒ ይፈልጥ፡ ደሓን ካልኣይ መመኽነይታኺ ንገርኒ፡” ትብላ’ሞ፡ እታ ሰራሕተኛ ኸኣ ትቕብል ኣቢላ፡ “ንስኽን ካብ ዝሓጸብክናኦን ዘስታረርክናኦን ክዳውንቲ ኸኣ፡ ኣነ ዝሓጸብክዎን ዘስታረርክዎን እዩ ጽቡቕ።” ምስ በለታ መሊሳ ሓሪቓ፡ “እዚኸ መን ኢሉኪ!፧” ትብላ። ሰራሕተኛ እናፈርሀት፡ “ደይ ክልቴኹም ኢኹም ዘለኹም ኣብዛ ገዛ፡ መን ከይነግረኒ እዩ’ሞ፡ እዚውን በዓል ቤትክን እዮም ነጊሮምኒ፡” ትብላ’ሞ ሰበይቲ መሊሳ ትዓብድ።

ግን ትገብሮ ስለ ዘይነበራ ሳልሳይ ምኽኒታ ክትሰምዕ ስለ ዝደለየት፡ “ሕራይ ይኹነልኪ፡ እስኪ እታ ሳልሰይትን ናይ መወዳእታን ንገርኒ፡” ምስ በለታ፡ ሰራሕተኛ ቁጽይጽይ እናበለት፡ “ኣብ ዓራት ከኣ ካባኽን ኣነ ይነፍዕ…” ትብላ’ሞ ሰበይቲ ቁጥዐኣ ጥርዚ በጺሑ፡ መጉድኢ ቡን ጌራ ርእሳ ክትፍጽፍጻ፡ ኢዳ ሓፍ ኣቢላ፡ “እዚኸ ሰብኣየይ ድዩ ነጊርኪ፧ ትብላ ብሓርቖት። ሰራሕተኛ ኸኣ ብፍርሂ ተዋሒጣ፡ “ኣይኮኑን፡” ትብላ። “ሓቃ ኣውጽእያ፡ መን’ዩ ከምኡ ኢልኪ፧” ኢላ ምስ ኣጓጠጠትላ፡ ብሓውሲ ናይ ሕንከትን ፍርህን ዝተፈራረቐ ስምዒትን፡ “እዚ ዋርድያኹም እዩ ነጊርኒ!” በለታ። ወያ ኣስራሒት ልባ ክጠልማ ክሳብ ዝደሊ በጽሐት። ትሕዞን ትጭብጦን ይጠፍኣ’ሞ… “ሽሽሽሽ… ቀስ በሊ፡ ሰብኣይ ከይሰምዑና፡ ድላይኪ ክውስኸልኪ’የ፡ ንወለሓደ ከይትነግሪ!!” ኢላ ሓቚፋ ናብ መደቀሲኣ ኣእትያ ዘድልያ ዘበለ ሞቕሽሽን ክዳውንትን ጨናታትን ሂባ ደሞዛ ወሲኻ ስራሕ ከም ትቕጽል ገይራታ ይበሃል።

ሞራል: ዝኾነ ክብድ ዝበለ ሓጢኣት ኣለኒ ኢሉ ዝሓስብ ይኹን በዳሊ ሰብ ነታ ዝገብራ በደልን ኣበሳን ክሽፍን ዘይገብሮ ምጉባዓትን ምፍርራሃትን የለን። ብሓጺሩ ዘማዊ መጉባዕብዒ እዩ። ኩሉ ዘፈራርህን ዘጉባዕብዕን ሰብ ኣብ ውሽጡ ወቐሳ ዘለዎ ሰብ እዩ። ሓደራኹም ውሳኔታትኩም ሕልናኹም ዝወቕሰኩም ምስ ግዜ ዝጎድኣኩምን ከይከውን ቅድሚ ምውሳንኩም ጽቡቕ ጌርኩም ሕሰቡሉ። ሰላም!

Leave a Reply