You are currently viewing 0002 ሎሚ፡ ኣይትፍረድ ከይትፍረድ ዘይኮነ፡ ኣይትፍረድ ከይትምዘን’ዩ ዝበሃል ዘሎ!

0002 ሎሚ፡ ኣይትፍረድ ከይትፍረድ ዘይኮነ፡ ኣይትፍረድ ከይትምዘን’ዩ ዝበሃል ዘሎ!

ሓደ ንጉሆ፡ ሓደስቲ መርዑት፡ ኣብ ሓደ ገዛውቲ፡ ኣብ ዝተኻረዩዎ ሓድሽ ገዛ ኰይኖም ቁርሲ እናበልዑ እንከለዉ፡ እታ መርዓት ሓንቲ ካብ ጎረባብቶም ክዳን ክትሰጥሕ እንከላ ብመስኮት ትርእያ እሞ ንሰብኣያ ጸዊዓ፡ “ረኣያ’ሞ’ዛ ሰበይቲ ነቲ ክትሓጽቦ ዝወዓለት ክዳውንትስ ከይጸረየ ትሰጥሖ’ላ። ፎእ ክትግዕዝይ!” ትብሎ። መርዓዊ ኸኣ ርእዩ፡ ከም ዘይረኣየ ብቕድሚኣ ዝነበረ ሽኮር ኣቐብልኒ ኢሉ ሻሂኡ ክሰቲ ጀመረ።

ካልእ መዓልቲውን ከምኡ እዞም ሓደስቲ መርዑት በቲ መስኮቶም እናረኣዩ እንከለዉ፡ ወያ መርዓት፡ “እዋእ፡ ኣንታ ረኣያ ሕጂ ኸኣ ክዳውንቲ ሓጺባ ከይጸረየ ትሰጥሖ’ላ! ጥዑይ ሳምና፡ ሊሊ፡ በረኪና ዘይብላ ድያ ኰይና፧” ኢላ ደጊማ ንመርዓዊ ትሓቶ። ንሱ ኸኣ ደሓን ጽብቕተይ፡ እቲ ከባቢ ርኢኺ ኣድኒቕኪ እንዶ ስቕ በሊ። ጸገማ ምስ ተላለናያ ክንፈልጦ ኢና።” ይብላ።

ድሕሪ ሓደ ወርሒ ይኸውን ግን፡ ምስ ሰብኣያ ተሓቛቚፋ በታ መስኮት እናረኣዩ እንከለዉ፡ ዓይና ክትኣምኖ ክሳብ ዘሸግራ፡ እታ ጎረቤት ሰበይቲ መጺኣ፡ ኣዝዩ ጽሩይ ክዳውንቲ ክትሰጥሕ ትርእያ። ሽዑ ንሰብኣያ፡ “ርኢኻ፡ ሕጂ ጽሩይ ክዳውንቲ ክትሰጥሕ ጀሚራ፡ ክንደይከ ይጸሪ’ዩ! እዝስ ወይ በረኪና ጽቡቕ ጌራ ጌራትሉ ኣላ፡ ወይ ከኣ ዘፍዚፋቶ ሓዲራ ኣላ፡ ወይ ጥዑይ ሳምና ረኺባ ኣላ’ምበር ኣብ ውሽጢ ሓደ ወርሒ ክሳብ ክንድዚ ለውጢ ክትገብር ኣይትኽእልን’ያ።” ትብሎ። “ነኖእ ከምኡ ኣይኮነን፡ ንሳ ኩሉ ግዜ እያ ጽሩይ ክዳን ትሰጥሕ!” ይብላ። ነታ ጎረቤት ዝጣበቐላ ዘሎ መሲልዋ፡ ከም ሓውሲ ስንብድ ኢላ፡ “እንታይ ደኣ፧” ኢላ ሓተተቶ። ንሱ ኸኣ፡ “ኣነ’ምበር ንጉሆ ተንሲአ፡ ነዚ መስኮት ወልዊለ ኣጽርየዮ።” እብላ’ሞ፡ መርዓት ከም ዝተመዝነት ስለ ዝተረደኣ፡ ብሕፍረት ተዓኒዳ ስቕ በለት ይበሃል።

ሞራል: መስኮትካ ከየጽረኻ፡ ክንደይ ሰብ ኮን ከሲስካ ትኸውን፧ መስኮትካ ኣጽሪ! ዝበዝሐ ግዜ ኣብ ካልኦት ሰባት ትርእዮ ኣበር (ርስሓት) ኣብ ጽሬት ናይ መርኣይኻ እዩ ዝምርኮስ። መርኣይኻ ጽሩይ ተዀኑ ኣይትጋገን ኢኻ። ንፍርዲ ኸኣ ኣይትህወኽን ኢኻ። ብፍላይ ናይ ኣረኣእያ መበገሲ ካብ ቅንኢ፡ ሓርቖት፡ ኣሉታዊ ኣረኣእያ ወይ ድሌትካ ስለ ዘይረኸብካ እንተ ዀይኑ፡ ክትህሰ ኢኻ። ንፍርዲ ኣይትተሃወኽ። ንሰባት ስለ ዝፈረድካዮም ገሊጽካዮም ማለት ኣይኮነን፡ ብኣንጻሩ መምዘኒኻ’ዩ። ኣብ ዓይኑ ጉንዲ ዘለዎ ሰብ ካብ ዓይኒ ካልኦት ገፈል ከውጽእ ኣይክእልን’ዩ። ቅድም እቲ ኣብ ዓይኑ ዘሎ ጉንዲ ከውጽኦ ኣለዎ። ብድሕሪኡ ነቲ ገፈል ብንጹር ክርኢ ይኽእልን ንፍርዲ ኸኣ ኣይህወኽን። ሰላም!

Leave a Reply