“ቡን ዝሓዘት ኩባያ ኣብ ኢድካ ሒዝካ ደው ኢልካ ኣለኻ ንበሎ፡ ሓደ ሰብ ከኣ መጽዩ ጎኒጽካ። ዋላ ነታ ኩባያ ኣጽኒዕካ ሓዛ፡ ስለ ዝተደፋእካ ግን በጨቕ ኢላ ናብቲ ምድሪ ናብ ኢድካን ክዳንካን ቡን ክፈሰካ እዩ፡ ሓቀይ፧” ይብሎ ዓወት ንመርሃዊ። መርሃዊ ኸኣ ትቕብል ኣቢሉ፡ “እወ እዚ ደኣ ግድን።” ይብሎ’ሞ፡ ዓወት ቀጺሉ፡ “ስለምንታይ ቡን ካብ ኩባያኻ ተደፊኡ፡ ተረዲእካዶ፧ ኢሉ ካልኣይ ሕቶ የስዕበሉ። መርሃዊ ኸኣ ከምዛ ኣብኣ ዘሎ ገይሩ፡ “እቲ ወዲ ደርገፍገፍ ክብል ስለ ዝጎነጸኒ።” ይብሎ። ዓውት ከኣ፡ “ኣይኮነን!” ንሓሳቡ ስለ ዝነጸጎ፡ መርሃዊ፡ “እዋእ፡ እንታይ ደኣ፧” ብምባል ካልእ ፍሉይ መልሲ እንተ’ለዎ ተጸበየ።
ሽዑ ዓወት ንመርሃዊ ናብ ሓሳቡ ኣምጽኦ፡ ከምዚ ኢሉ፡ “ሻሂ ይኹን ቡን፡ ኣብታ ዝሓዝካያ ኩባያ ዘሎ’ዩ ዝድፈኣካ! ቡን ተደፊኡ ዘሎ፡ ኣብቲ ሒዝካዮ ዝነበርካ ኩባያ ቡን ሒዝካ ስለ ዝነበርካ እዩ!” ይብሎ’ሞ፡ መርሃዊ ስለ ዘይተዋሕጠሉን ዝያዳ መግለጺ ኸኣ ስለ ዝደለየ፡ “እዋእ… እንታይ ማለትካ’ዩ፧” ኢሉ ይሓቶ። “ሻሂ ቀዲሕካ ኔርካ እንተ ትኸውን ከ፡ ሻሂ ምፈሰሰካ ሓቀይ፧” ኢሉ ዓወት ንመርሃዊ ተመሊሱ ይሓቶ። መርሃዊ ኣብ መወዳእታ፡ ዓወት ገለ ፍሉይ ሓሳብ ክህቦ ከም ዝደለየ ስለ ዝተረደኦ፡ ብዝተፈራረቐ ስምዒት፡ “እወ፡ ግን እንታይ ክትብል ኢኻ ደሊኻ ኣይተረደኣንን፧!” ይብሎ። ዓወት ከኣ ብሓጺሩ ከምዚ ይብሎ፡ “ህይወት ጻዕዳ ኩባያ እያ ትቕርበልካ፡ እንታይ ትመልኣ ናትካ ምርጫ እዩ!”
መልእኽተይ እዚ’ዩ፡ ህይወት ከኣ ከምኡ እያ! ህይወት ዘይጎጽጎጸቶ ሰብ የለን። ብስድራኻ፡ ብሓዳርካ፡ ብከባቢኻ፡ ብመተዓቢትኻ፡ ብመንግስቲ፡ ብዝመጸ ይምጻእ፡ ህይወት ግድን እያ ትጉንጸካን ትጉጽጉጸካን፡ እዚ ኹሉ ጎነጽን ጸገምን ከጋጥመካ ኸሎ ኣብ ውሽጥኻ ዘሎ እዩ ንግዳም ዝወጽእ። ምናልባት ከምታ ጻዕዳ ኩባያ ኣብ ውሽጣ ሓረሮ ቡን ሒዛ ብደጊኣ ጻዕዳ ትመስል፡ ምስ ተጎጽጐጸት፡ ጸሊም ቡን ዝደፍአት፡ ንርእስኻን ንኻልእ ሰብን ንሓጺር ግዜ ከተደናግር ትኽእል ኢኻ፡ ምስ ተጎነጽካ ግን እቲ ናይ ውሽጥኻ ምውጽኡ ኣይተርፍን’ዩ።
ስለዚ፡ ሕጂ ኢኻ ኣብ ኩባያኻ (ኣብ ውሽጥኻ) እንታይ ሒዝካ ኣለኻ ተረጋግጽ። ካብ ግዜ ንእስነትካ ኣትሒዝካ እንታይ ትመልእ ኣለኻ፡ ኣገዳሲ እዩ። ፍቕሪ፡ ሓጐስ፡ ዕርቂ፡ ዓቕሊ፡ ለውሃት፡ ሕያውነት፡ እምነት፡ ህድኣት፡ ይአኽለኒ ምባል ዲኻ መሊእካ ዘለኻ፧ ወይስ፡ ምንዝር፡ ርኽሰት፡ ዕብዳን፡ ኣምልኾ ጣኦት፡ ጥንቈላ፡ ጽልኢ፡ ባእሲ፡ ቂም፡ ቅንኢ፡ ቍጥዓ፡ ሻራ፡ ምፍልላይ፡ ዝርግርግ፡ ቅንኣት፡ ቅትለት፡ ስኽራን፡ ፈንጠዝያ እዩ፧ ኣየናይ ይጠቕመካ ኣየናይ ይጎድኣካ ፈላሊኻ ስለ ትፈልጥ ብዛዕባ’ዚ ሓበሬታ ዘድሊ ኣይመስለንን። ሰላም!